ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጸብጻብ ምርመራ ዝወደቐት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ክሳብ ዝመጽእ ሰሙን ወግዓዊ ከምዝኸውን ተገሊጹ


አካያዲ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣቶ ተወልደ ገብረማርያም ትማሊ ሶኑይ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ቀዳማይ ጸብጻብ ምርመራ መጋቢት 10 ዝወደቐት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ክሳብ ዝመጽእ ሰሙን ወግዓዊ ከምዝኸውን ገሊጾም።

“ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ፈላማይ ጸብጻብ ምርመራ ወግዓዊ ክኸውን’ዩ። እዚ ማለት ኣብዚ ሰሙን ወይ ዝመጽእ ሰሙን ማለት’ዩ።”

ኣቶ ተወልደ ብተወሳኺ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብቲ ቀንዲ ትኹረት ምርመራ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ወርሒ ዝወደቓ ክልተ ቦይንግ 737 ማክስ 8 ዝዓይነተን ነፈርቲ ኢንዶኖዥያን ኢትዮጵያን ብዝምልከት ኣብ ኣሜሪካ ዝኻየድ ኣኼባ ንምስታፍ ኾነ ንዘይምስታፍ ገና ከምዘይወሰነ ሓቢሮም ኣለው።

“እቲ ብስቲሙሌተር ዝፍለጥ ሚዛን ነፋሪት ዝሕልው አካል ኣብ ማክስ ዝዓይነተን ነፈርቲ ኾነ ካልኦት ሓደ ዓይነት’ዩ። ስለዚ ፍልልይ ዝፈጥር ኣይኮነ።”

ድሕሪ ምውዳቕ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቦይንግ 737 ማክስ 8 ዝዓይነተን ነፈርቲ ኣብ መላእ ዓለም ካብ በረራ ደው ከምዝበላ ይፈልጥ። ብዛዕባ’ዚ ኣቶ ተወልደ “ ቦይንግ 737 ማክስ 8 ዝዓይነተን ነፈርቲ ካብ በረራ ደው ክብላ ምውሳና ቅኑዕ ውሳነ’ዩ። ቅኑዕ ውሳነ ብምኻኑ ድማ ኩሉ ዓለም ስዒብ’ዎ እዩ ምክንያቱ ህይወት ሓደ ሰብ እውን ኣብ ሓደጋ ክኣትው ኣይንደልይን”ኢሎም።

ንሶም ኣብ መወዳእቲ እዚ ፍሉይ አጋጣሚ ምኳኑ ብምሕባር ኣብ ታሪኽ ኣቭየሽን ነፈርቲ ካብ በረራ ደው ኢለን ምርመራ ዝተኻየደሉ ካልኣይ ፍጻመ’ዩ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG