ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግለጺ ሕ/ሃ ኣብ ኩነተ ጸጥታ ክልል ትግራይ


ኩነተ ጸጥታን መተሓላለፊ መገዲን ኣብ ትግራይ ሎሚ’ውን ዝተሓላለኸ ኮይኑ ከምዝረኸብዎ፣ ይቅጽል ዘሎ ውግእ ንምንቅስቃስ ሰባትን ሰራሕተኛታት ረድኤትን ዓንቂፉ ከምዘሎን ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት ልዕሊ 500 ጾታ መሰረት ዝገበረ መጥቓዕቲን ምድፋርን ደቂ ኣንስትዮ ሓዊሱ ሪፖርት ከምዝተገበረ’ውን እቲ ዜና ጠቂሱ። 70 ካብዚ ኦምኣብ ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኤን ኣዋልድ ዝተፈጸመ'ዩ ይብል።

ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ስቴፈን ጁሪክ ምትዕንቓፍ ዘይብሉን ውሑስን ምትሕልላፍ ንክህልው ሎሚ’ውን ንጽውዕ ኣለና፣ ተወሳኺ ፋይናንሳዊ ደገፍ’ውን ንደሊ ኢና ይብል ።

XS
SM
MD
LG