ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግለጺ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ምርጫ ኢትዮጵያ


EU
EU

ኤምባሲ ኣውስትርያ፣ ኣውስትራልያ፣ ካናዳ፣ ዴንማርክ፣ ጀርመን፣ ኣየርላንድ፣ ጃፓን፣ ሉክሰምበርግ፣ ኒውዝላንድ፣ ኖርዌይ፣ ስዊድን፣ ኔዘርላንድ፣ ዓባይ ብሪጣንያን ልኡኻት ሕብረት ኣውሮጳን ኣብ ኢትዮጵያ፣ ብዛዕባ’ቲ ኣብ’ዚ ቀረባ ዝተካየደ ምርጫ፣ ሓባራዊ መግለጺ ኣውጺኦም።

ኣብ ዝሰፍሐ ከባቢታት’ታ ሃገር ምርጫ ከምዝተካየደ፣ ዝመጽእ መስከረም ከምዝቅጽልን ዝሓበረ እቲ ሓባራዊ መግለጺ፣ እዞም ዓለምለኻዊ ኣካላት፣ ከምናይ ነዊሕ እዋን መሻርኽቲ፣ ኢትዮጵያ ናብ ዝበለጸ ዴሞክራሲያዊ ምሕደራ ንምእታው ንትገብሮ ጻዕሪ ሓገዝቲ ከምዝኾኑ ጠቂሶም።

ኣዎንታዊ ምዕባለታት ከምዝተራኣዩ ዝጠቅስ እቲ መግለጺ፣ ቦርድ ምርጫ ምስ ኩሎም ሰብ እጀታን ፖለቲካዊ ፓርቲታትን ሲቪካዊ ማሕበራትን ሚድያን ዝነበሮ ጽምዶ ንኢዱ።

እንተኾነ፣ እቲ ምርጫ ኣብ ኣዝዩ በዳሂን ጸገም ዝተራኣየሉን ኩነታት ከምዝተካየደ፣ ፖለቲካዊ ሃዋሁ ዝተደረተሉ፣ ኣባላት ተቃወምቲ ፓርቲታት ኣብ ዝተኣሰርሉ፣ ኣብ ልዕሊ ሚድያታት ምፍርራሕ ዘጋጠመሉ ፓርቲታት ብነጻነት ወፍሪ ምርጫ ዘይገበርሉ ኮይኑ ከምዝሓለፈ እቲ መግለጺ ገሊጹ።

ብዝሒ ኣብ’ቲ ምርጫ ዝተሳተፋ ደቂ ኣንስትዮ፣ ካብ’ቶም ዝሓለፉ ምርጫታት ብሲሶ ኢድ ከምዝነከየ’ውን እቲ መግለጺ ጠቂሱ።

ምርጫ ምክያድ በይኑ ዴሞክራሲያዊ ስግግር ኣየዕውትን ወይካኣ ነቲ ኢትዮጵያ ኣጓኒፉዋ ዘሎ ፖለቲካዊ ብድሆ ኣይፈትሖን እዩ። ስለዚ መንግስቲ ኢትዮጵያን ካልኦት ሰብ እጀታን፣ ትርጉም ንዘለዎን ሰፊሕን ሃገራዊ ልዝብ ንክገብሩን ሰላማዊ ፍታሕ ንከምጽኡን እተን ሃገራት ጸዊዔን።

እቲ መግለጺ ወሲኹ እዚ ኣገዳሲ ዝኾነሉ ምኽንያት ይብል እቲ መግለጺ፣ ዴሞክራሲያዊ ምዕባለ ኢትዮጵያ ንክዕወት፣ ኣብ ትግራይ ንዝተኸሰተ ፖለቲካዊ ኩነታት ሓዊሱ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ንዝራኣዩ ግጭታት ንምፍታሕ ክሕግዝ እዩ ይብል::

XS
SM
MD
LG