ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግለጺ ሕብረት ኣውሮጳ ንምኽልካል ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ክልል ትግራይ


ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ትግራይ ምኽልካል ሰብኣዊ ሓገዝ ብዝምልከት መግለፂ ኣውፂኡ።ላዕለዋይ ወኪል ጆሴፍ ቦረልን ኮሚሽነር ኣተሓሕዛ ቅልውላው ጃነዝ ሌናርቺችን ብሓባር ዘውፅእዎ መግለፂ ወታሃደራዊ ሓይልታት ኣብ ክፋላት ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ከይበፅሕ ዕንቅፋት ይፈጥሩ ከምዘለው ሕቡራት ሃገራት ምርግጋፁ ይሕብር።

እቲ መግለፂ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ኩሎም ከባቢታት ተበፃሕነት ክህልው ከምኡ'ውን ወታሃደራት ኤርትራ ብዘይውዓል ሕደር ክወፁን ብተደጋጋሚ ጻውዒት ምቕራቡ ሓቢሩ ኣሎ ።

እቲ መግለፂ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ክልቲኦም ንምፍፃም ቃል እንተኣተው እውን ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ግን ብወታሃደራዊ ሓይልታት ይፍፀም ዘሎ ምዕፃዋት ረድኤት እቲ ሰብኣዊ ቅልውላው ብከቢድ ናብ ዝተጥቕዕሉ ናብ ገጠር ከባቢታት ረድኤት ከይኣትው ዕንቅፋት ይፈጥር ኣሎ ይብል ።

ኣብ ትግራይ ካብ ዘለው 5.7 ሚሊዮን ሰባት እንተወሓደ 5.2 ሚሊዮን ህፁፅ ረድኤት መግቢ የድልዮም።በመሰረት ሕቡራት ሃገራት ህፁፅ ረድኤት ካብ ዘድልዮም 3 ሚሊዮን ካብ 3 ግንቦት 2021 ጀሚሩ ህፁፅ መፅለልን መግቢ ዘይኮኑ ቀረባትን 12 % ጥራሕ በፂሑዎም ኣሎ።

እቲ መግለፂ ሰብኣዊ ረድኤት ከም ናይ ኵናት ኣፅዋር ምጥቃም ከቢድ ምጥሓስ ዓለምለኸ ሕጊ ሰብኣውነትን ናይ ሚሊዮናት ህዝቢ ህይወት ኣብ ሓደጋ ዘውድቕን እዩ ኢሉ ኣሎ ።ዓፀቦ ንምውጋድ ቕልጡፍን ሙሉእን ሓገዝን ክወሃብ ኣለዎ ዝበለ መግለፂ ሕብረት ኣውሮጳ ብእዋኑ ንዘድሊ ሓገዝ ኮነ ኢሎም ዝኽልክሉ ዘለው ተሓተቲ እዮም ይብል።

XS
SM
MD
LG