ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግለጺ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኩነታት ክልል ኣምሓራ


ኣብ ክልል ኣምሓራ ተፈጢሩ ዘሎ ጸጥታዊ ኩነታት "ውጥረት ዝሓዘለን ተባራዒን ከምዝኾነ፣ ብሰንኪ ውሽጣዊ ግጭት፣ ሰባት ከምዝተፈናቀሉ፣ ስርቂን ዕንወት ንብረትን ትሕተ ቅርጺን ከምዝተራአየሉ፣ ብዝሒ ዝተቀትሉ ግና ንጹር ከምዘይኮነ" ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

ቅድሚ ኣስታት ሓደ ወርሒ ኣብ ሰሜን ሽዋ ድሕሪ ቅትለት ሓደ ሰብ ውግእ ከምዝተወለዐ ዝገልጽ እቲ መግለጺ፣ ድሕሪ ክልተ መዓልታት ኣስታት 60 ሽሕ ህዝቢ ከምዝተፈናቀለ ይጠቅስ። ቅድሚ ዓሰርተ መዓልታት ድማ፣ ኣብ ከተማታትን ዓበይቲ ጎደናታትን ኣብ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ፣ ዝኸፍአ ምፍንቃልን ዕንወትን ኣውሪዱ እዩ።

ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ብሰንኪ ስእነት ሰላም፣ ሰራሕተኛታት ሰብአዊ ትካላት ንብዝሒ ግዳያት ኣነጺሮም ክፈልጡ ኣይካኣሉን። እንተኾነ፣ ሰበ ስልጣን’ቲ ክልል፣ ኣብ ሰሜን ሸዋን ፍሉይ ዞባ ኦሮምያን ኣስታት 330 ሽሕ ህዝቢ ከምዝተፈናቀሉ ገሊጾም ኣለው ይብል ።

XS
SM
MD
LG