ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግለጺ ሃይማኖታዊ መራሕቲን ኢዜማን ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ


መራሕቲ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ንልዕልነት ሕጊ ናይ ምኽባርን ድሕነት ህዝቢ ናይ ምሕላውን ሓላፍነት ክዋፃእ ኣተሓሳሲቦም።

ምስዚ ብዝተሓሓዝ ናይ ኢትዮጵያ ዜጋታት ንማሕበራዊ ፍትሒ ፓርቲ/ኢዜማ/ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብን ንብረትን ሓደጋ ዘውረዱ ኩሎም ንፍርዲ ክቐርቡ ሎሚ ኣብዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ ሓቲቱ።

ካብ 12 ጥቅምቲ 2012 ዓ/ም ጀሚሩ ብተኸታታሊ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ክልል ኦሮሚያ ዝወረደ ዘስቅቕ መጥቓዕቲ፣ቅትለት፣ግጭትን ዕንወት ንብረትን ዘይምርግጋእን ኣዚዩ ከም ዘስግኦም ዝገለፁ ላዕለዎት መራሕቲ ሃይማኖት ኢትዮጵያ ሎሚ ብሓባር ኣብዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ብሰንኪ ዝተፈጥረ ግጭት ህይወቶም ዝስኣኑ ወገናት ዓሚቕ ሓዘን ከምዝተሰምዖም ብምግላፅ ንስድራ መወቲ ምጽንናዕ ተመኒዮም።

ንፁሃን ዜጋታት ኣብዘይፈልጡዎ ጉዳይ ዝወርድ ዘሎ ምጥፋእ ህይወት ተቐባልነት ይብሉን ክብሉ’ውን ኮኒኖምዎ።

ብንባብ ኣብዝተሰምዐ መግለፂ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት እቲ ግጭት ንኩሉ ህዝቢ ዝልክም እዩ ኢሎም።

“ኣብ መንጎ ኢትዮጵያዊያን ሕማቕ በሰላ እናገደፈ ዝርከብ እዚ ዘይተለመደ ዝንባለ ግጭት ካብ እምነት ይኹን ናይ ኢትዮጵያዊ ክብርታት ብሰላም ሓቢርካ ምንባር ዝፃባእ ስለዝኾነ ኩላትና ስፍሓትን ዕምቆትን ናይቲ ፀገም ተረዲእና እቲ ግጭት ንኹልና ዝጎድእ ምዃኑ ፈሊጥና ነንሕድሕድና ንተሓጋገዝ።ብፅልኢ ንርኣአየሉ ዘይኮነስ ብፍፁም ወገናዊነትን ቅንዕናን ብምትሕብባርን ብሓባርን ክንሰርሕ ይግባእ።”

እቲ መግለፂ እታ ሃገር ዝኣተወቶ ውጥረት ሃይማኖታዊ መልክዕ ክሕዝ ዝግበር ፃዕሪ ፍፁም ተቐባልነት የብሉን ይብል ።

እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ደጋጊሞም ከምዘተሓሳሰቡዎ ነታ ሃገር የመሓድር ዘሎ መንግስቲ ንዜጋታቱ ናይ ምሕላው ሓላፍነት ኣለዎ።ንመንግስቲ ዘተሓሳሰቡ ናይ ኢትዮጵያ ኦሮቶዶክ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያሪክ ብፁእ ኣቡነ ማትያስ ናይ መንግስቲ ሓላፍነት ንህዝቡ ብማዕረ፣ብግልፅነትን ተኣማንነትን ምምሕዳር ስለዝኾነ ሓላፍነቱ ክዋፃእ ግቡእ እዩ ኢሎም።

“ንሰበስልጣን ሓደራ ክንብሎ ንደልይ ንሕጊ ኣኽብሩ፤ንህዝብኹም ብመሰረት እቲ ሕጊ ኣመሓደሩ፣ብስርዓት ኣማሓድሩ።ሓላፍነትኩም ካብ ምስራሕ ንድሕሪት ኣይትበሉ ኢና ንብል ዘለና።እቲ ህዝቢ ድማ ብትኽክለኛ ኣገባብ ክመርሑዎ ከለው ክምራሕ ኣለዎ።”

ናይ ኢትዮጵያ ጠቕላሊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ፕረዚደንት ሙፍቲ ሓጂ ዑመር እድሪስ ብወገኖም ልዕልነት ሕጊ ብቕልጡፍ ክረጋገፅ ብምትሕስሳብ ካልኦት ሰብ ብፅሒት እውን ሓላፍነቶም ክዋፅኡ ኣለዎም ኢሎም።

መንግስቲ ግጭት ድሕሪ ምፍጣሩ ዘይኮነስ ቅድሚ ምጉህሃሮም ብቕልጡፍ ደው ከብሎን ልዕነት ሕጊ ከኽብርን ከምዘለዎ ዘተሓሳሰቡ ድማ ፕረዚደንት ቃለ ህይወት ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ዶ/ር ኢያሱ ኤልያስ እዮም።ልዕልነት ሕጊ ዕሽሽ ክብሃል የብሉን ኢሎም።

“ንሕሰብ፣ነስተንትን፣ንመለስ።በጃኹም ኣሕዋትናን ኣሓትናን፤ፖለቲከኛታት፣ኣብ መሪሕነት ዘለኹም፤ፖሊስ፣አባላት ድሕንነት፣መምህራን፣ተማሃሮ ንሰላም ደው ንበል።ናብ ሓድነት ንመለስ፤ዝጠፍአ ጠፊኡ እዩ፤ንሓዋሩ ግን ንጥዓስ እየ ዝብል ዘለኹ።”

ናይ ኢትዮጵያ ካቶሊካዊ ቤተ ክርስቲኣን ተወካሊ ኣባ ተሾመ ፍቅሬ ኣብ መንጎ እቲ ሕብረተሰብ ግጭት ዝፈጥሩን ዘጋድዱን ኣካላት ካብ ተግባሮም ክዕቀቡ ኣተሓሳሲቦም።ናይ ኢትዮጵያ ወንጌላዊያን ኣብያተ ክርስትያናት ሕብረት ፕረዚደንት ፓስተር ፃዲቁ ኣብዶ እውን ኣብ ልዕሊ ትካላት እምነት መጥቓዕቲ ንዝፈፀሙ ብትሪ ነቒፎም ኣለው።

ምስዚ ተኣሳሲሩ ምእመናን ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ብሄሮም ከይፈለየ ክርስቲያን ብምዃኖም መጥቓዕቲ ይወርዶም ኣለው ኢሉ።

ሎም ቅነ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብዝወረደ መጥቓዕቲ ብዙሓት ስዓብቲ ናይቲ እምነት ተቐቲሎም፣ተወቒዖምን ንብረቶም ከምዝተቓፀለን ብተወሳኺ ድማ ኣብ ዝለዓለ ስግኣት ከምዝወደቑን ዘተሓሳስብ ብምዃኑ ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ከምዝተዘራረቡ ንጠቕላሊ ቤተ ክህነት ብምውካል መጋቤ ሰላም ቀሲስ ሰለሞን ቶልቻ ገሊፆም።ይወርድ ዘሎ ጉድኣት ዝለዓለ ብምዃኑን ድሕሪ ሕጂ ዝህልው ዘተሓሳስብ ስለዝኾነን መንግስቲ ንልዕልነት ሕጊ ንምኽባር ክሰራሕ ሓቲቶም።

“መንግስቲ ሓይሊ ኣለዎ።መንግስቲ ዕጥቂ ኣለዎ።መንግስቲ ኩሉ ነገር ኣለዎ።እቲ ዜጋ ወፂኡ ብሰላም ክኣትው፣ ክኣምን፣ ክሰርሕ፣ ክንቀሳቐስ፣ ውሕስና ክህብ ኣለዎ።”

ናይ ኢትዮጵያ ጉዳያት እስልምና ጠቕላሊ ቤት ምኽሪ ፕረዚደንት ሙፍቲ ሓጂ ዑመር እንድሪስ ብወገኖም ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያንን መስጊድን ዝወረዱ ጉድኣት ህዝበ ክርስቲያንን ሙስሊምን ብሓባር ደው ብምባል ንዘጥፍኡ ከቃልዑ የድልይ ክብሉ ርእይትኦም ሂቦም።

ናይ ኩሎም መራሕቲ ሃይማኖት መልእኽቲ ብዋናነት መንግስቲ ናይ ዜጋታቱ ድሕነት ናይ ምሕላውን ሰላም ናይ ምርግጋፅን ሓላፍነት ኣለዎ ዝብል’ዩ።

ካብዚ ዝገደደ ጉድኣት ከይወርድ መንግስቲ ቅድም ኢሉ ኣብ ናይ ምክልኻል ስራሕ ከተኩር ኣለዎ ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ናይ ኢትዮጵያ ዜጋታት ንማሕበራዊ ፍትሒ ፓርቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብን ንብረትን ሓደጋ ዘውረዱ ኩሎም ንፍርዲ ክቐርቡ ሓቲቱ።ናይቲ ፓርቲ መራሒ ፕሮፈሰር ብርሃኑ ነጋ”መንግስቲ ናይ ዜጋታቱ ድሕንነት ካብ ዝኾነ ይኹን ነገር ንላዕሊ ክሕልው ሓላፍነቱ እዩ።መንግስቲ ነዚ ሓላፍነቱ እንተድኣ ዘይፈፂሙ ሰባት ናብ ኣራዊትነት ተመለሱ ይብል ኣሎ ማለት እዩ።መንግስቲ ሓላፍነቱ ዝዋፅአሉ እዋን ሕጂ እዩ።ንሕና ከም ውድብ ኢዜማ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝኾነ ይኹን መልክዑ ክንተሓባበር ኢና።”

ኢዜማ ወሲኹ ጉድኣት ዝወረዶም ግቡእ ካሕሳ ክረኽቡ ካብ መንበሪኦም ዝተመዛበሉ ብቕልጡፍ እግሪ ክተኽሉ ሎሚ ኣብዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ ፀዊዑ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

መግለጺ ሃይማኖታዊ መራሕቲን ኢዜማን ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:16 0:00


XS
SM
MD
LG