ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መድረኽ ዘተ ህዝብታት ኣምሓራን ኦሮምን ኣብ ከተማ ኣምቦ ተቓኒዑ


ምሕያል ርክብ ህዝብታት ኣምሓራን ኦሮሚያን ንኢትዮጵያ ናብ ልዑል ብራኸ ዘደይባ እዩ ክብሉ ምኽትል ኣማሓዳሪ ክልል ኦሮሚያ ኣቶ ሽመልስ ኣብዲሳ ኣፍሊጦም።ዋና ኣማሓዳሪ ክልል ኣምሓራ ዶ/ር ኣምባቸው መኮነን ድማ ክልል ኦሮሚያ ካብ ኣዲስ ኣበባ እትረኽቦ ረብሓ ኣብ ግብሪ ክውዕል ከምዝሰርሕ ተዛሪቦም።

ትማሊ ሰንበት ኣብ ከተማ ኣምቦ ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ ህዝቢ ምስ ህዝቢ መደረ ዘስምዑ ምኽትል ኣማሓዳሪ ክልል ኦሮሚያ ኣቶ ሽመልስ ኣብዲሳ ንዓወታት ዓድዋ፣ካራማን ካልኦትን ብምዝኻር መሰረት ሓድነት ህዝቢ ኢትዮጵያ ኩሎም ብሄርን ብሄረሰባትን ዘሳተፈ እዩ ኢሎም።

ህዝብታት ኦሮሞን ኣምሓራን ኣብ ዝሓለፉ ግዜያት ዝነበረ ዓፈና ቄሮን ፋኖን ተቓሊሶም ነቲ ፀገም ንምፍታሕ ዘካየዱዎ ቓልስን እንቦጭ ተባሂሉ ንዝፅዋዕ ፃህያይ ንምክልኻል ዝተኻየደ ርብርብን ንኢትዮጵያዊያን ነፃነት ኣምፂኡ’ሎ ኢሎም።

ብምቅጻል ብዛዕባ ርክብ ክልቲኦም ህዝብታት ድማ ከምዚ ኢሎም።

“ርክብ ህዝቢ ኣምሓራን ኦሮምን ንኢትዮጵያ ዘሕይል እዩ፤ምሕያል ርክብ ህዝቢ ኦሮሞን ኣምሓራን ንኢትዮጵያ ክብ ዘብል እዩ።ንካልኦት ብሄርን ብሄረሰባትን ፅላል ክኾኖም እዩ።ስለዝኾነ ንሓድነት ዘሐይል እምበር ንድሕሪ ዝምለስ ኣይኮነን።ልክዕ ከም ናይ ቅድሚ ሎሚ ሓድነትና ኣፅኒዕና ዝበልፀገት፣ዴሞክራሲያዊትን ፍትሒ ዝተረጋገፀላ ሃገራዊ ክብራ ክብ ዝበለ ሓድነታ ነቕ ዘይትብል ኢትዮጵያ ንምፍጣር ብሓባር ክንሰርሕ ኢና።”

ንሓድነት ምስራሕ ጅግንነታዊ ተግባር እዩ፤ፅልእን ብቂም ሕነ ምፍዳይን ናይ ሰነፋትን ፈራሓትን መግለፂ እዮም ምስ በሉ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንኹሉ ኢትዮጵያዊ ዝጠቅም፣መራሕቲ ሃለው ኣይሃለው ኢትዮጵያ ክትቕፅል እያ ኢሎም።

“ኣብ ባህርዳር ዝተዘርአ ቦቒሉን ዓምቢቡን ኢፍትሓዊነት፣ፀረ ዴሞክራሲያዊነት ነቒሉ ደርቢዩ እዩ።ንዝበለፀ ምቅርራብ፣ሓድነትን ልምዓትን ብልፅግናን ሰላምናን እንረጋግፀሉ ዘክእለና ዘርኢ እንዘርአሉ ከምዝኸውን ንኢትዮጵያ ካብዚ ዝለዓለ ናይ ሓድነት ብራኸ ደው ከም እንብላ ከረጋግፀልኩም እደልይ።”

ካብ ክልል ኦሮሚያ ዝተመዛበሉ ዜጋታት ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ዝነበርሉ ክምንመልሶም ኢና ዝበሉ ኣቶ ሽመልስ እቶም ነዚ ተግባር ዝፈጸሙ ድማ ተስዓርቲ እዮም እዮም ኢሎም።

ዋና ኣማሓዳሪ ክልል ኣምሓራ ዶ/ር ኣምባቸው መኮነን ቅድሚ ሎሚ ኣብ ውሽጢ መሪሕነት ብዝነበረ ኣፈላላይ ዓቕሚ ናይ ክልቲኦም ህዝብታት ክዳኸም ዝተፈላለዩ ፀገማት ክቃልዑ ገይርና ኢና ኢሎም።ነቲ ፍልልይ ዝሰብኽ ዝነበረ ሓይሊ ክስበር ሕብረት ፈጢርና ኣብ ዝሓፀረ እዋን ሓባራዊ ዓወት ክንጭብጥ ክኢልና ኢሎም።

ሕብረት ህዝብታት ኦሮሞን ኣምሓራን ፅንዕቲ ኢትዮጵያ ክትህልው መማረፂ ዘይብሉ መፍትሒ እዩ ኢሎም።ኣብ መንጉኦም ዘይምርድዳእ ከምዘየለ ብምሕባር ተሓባቢርካ ናይ ምስራሕ ኣገዳስነት ኣረዲኦም።

“ርክብ ህዝቢ ኣምሓራን ኦሮሞን ንፀገማት ህዝብታት ኣምሓራን ኦሮሞን ጥራሕ ዘይኮነስ ንፀገማት ኢትዮጵያ እውን ዓብይ መፍትሒ ምዃኑ ብፅኑዕ ንኣምነሉ እዩ።ስለዝኾነ ዝተጀመረ ሓይሊ ክቕፅል ክንገብር ኢና።ናይ ኦሮሞ ዴሞክራሲያዊ ፓርትን ናይ ኣምሓራ ዴሞክራሲያዊ ፓርትን ቅድሚ ሎሚ ካብ ዝነበሮም ፅቡቕ ርክብ ብዝለዓለ ደረጃ ብምሕዳስ ካልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያን ካልኦት ናይ ፖለቲካ ውድባትን ብምትእኽኻብ ፅንዕቲ ኢትዮጵያ ናይ ምፍጣር ዕላማና ከም እንሰርሕ ብድጋሚ ቃል ክኣተወልኩም እደልይ። “

ኦሮሚያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዛዕባ ዘለዋ ረብሓን ንቋንቋ ኣፋን ኦሮሞ ብዝምልከት ካብ ተሳታፊ ዝቐረበሎም ሕቶ ክምልሱ ከለው ዶ/ር ኣምባቸው ከምዚ ኢሎም።

“ንኣዲስ ኣበባ ብዝምልከት ሕገ መንግስቲ ዘቐመጦ ዝሸራርፍ መርገፂ ኣብ ውሽጥና ዋላ ሓደ የለን።ኣዲስ ኣበባ ናይ ኢትዮጵያ ብሄር ብሄረሰባት ህዝብታት መንበሪት ጥራሕ ዘይኮነት ዓባይ ናይ ኣፍሪቃ መዲና እያ።ናይ ክልል ኦሮሚያ ፍሉይ ሕገ መንግስታዊ መሰል ኣለዎ።እዚ ፍሉይ ሕገ መንግስታዊ መሰል ንክኽበረሉ ድማ ክንቃለስ ኢና።”

ንሶም ብምውሳኽ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ይብተኑ ዘለው ኣሉታዊ መልእኽልታት ናትና ከምዘይኮኑ መርገፂ ሒዝኩም ክትከራኸሩ ኣለኩም ኢሎም ።

መምህር ፍልስፍና ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ዶ/ር ዳኛቸው ኣሰፋ ብዛዕባ ርክባት ክልቲኦም ህዝብታት ክዛረቡ ከለው ውልቀ ምልካዊ ስርዓታት ሃፀይ ሃይለስላሴን ደርግን ዝፈርሰሉ ዓንድታት ብምዝርዛር ናይ ወይን ዓንዲ ዘፍረሶ ርክብ ኦሮኣማራ እዩ ኢሎም።

ካብ ደሴ ዝመፁ ኣቶ መንግስቱ ኣሕመድ ዝተብሃሉ ተሳተፊ ክልቲኦም ህዝብታት ናይ ደም ምትእስሳርን ነዊሕ ታሪኽ ዝሓለፉን እዮም ኢሎም።

ኣብቲ ሓባራዊ መድረኽ ታሪኻዊ ርክብን ምትእስሳርን ህዝብታት ኦሮሞን ኣምሓራን ዝጠመሩ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ቀሪቦም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

መድረኽ ዘተ ህዝብታት ኣምሓራን ኦሮምን ኣብ ከተማ ኣምቦ ተቓኒዑ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:09 0:00

XS
SM
MD
LG