ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መድረኽ ዘተ ህዝብታት ትግራይን ኣምሓራን ኣብ መቐለ ተካይዱ


ኣብ መንጎ ምሁራት ትግራይን ኣምሓራይ ንሰላም ህዝብታት ዝዓለመ ዋዕላ ተኻይዱ።ዩኒቨርስቲ መቐለ ዘተሓባበሮ ኣብ መንጎ ህዝብታትን ምሁራትን ትግራይን ኣምሓራን ስጡም ዝርርብን ሰላም ንምስፋን ዝዓለመ ዋዕላ ካብ 16-17 ለካቲት 2011 ዓ.ም ኣብ መቐለ ተካይዱ። ኣብቲ ዋዕላ ካብ ዝተፈላለዩ ዩኒቨርሲቲታት ኢትዮጵያ ዝመፅኡ ምሁራን ተሳቲፎም። ኣብቲ ንክልተ መዓልታት ዝተካየደ ዘተ ሸሞንተ ዝኾኑ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ብዝተፈላለዩ ምሁራት ቀሪቦም ኔሮም።

መድረኽ ዘተ ህዝብታት ትግራይን ኣምሓራን ኣብ መቐለ ተካይዱ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:41 0:00

ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ክፍሊ ማሕበረሰብ ሳይንስን ቋንቋታትን መምህርን ተመራማርን ዝኾኑ ብፍላይ ድማ ኣብ ምእላይ ጎንፂ ኣድሂቦም መጽናዕቲ ዘካየዱን ሓደ ካብ ኣተሓባበርቲ ናይቲ ፎረምን ዝኾኑ ዶክተር ገብረየሱስ ተክሉ ዕላማ እቲ ፎረም ኣብ ክልቲኡ ህዝብታት ተፈጢሩ ዘሎ ምትሕርፋፍ ኣሊካ ሰላማዊ ሃዋህው ንምፍጣርን ሕውነትና ክልቲኡ ህዝብታትን ምሁራንን ናብ ንቡር ንምምላስ ዝዓለመ እዩ ይብሉ።

ኣብ መዕፀዊ እቲ ፎረም ዝተረከቡ ፕረዚዳንት ዩኒቨርስቲ መቐለ ዶክተር ክንደያ ገብረሂወት ሰላም ናይ መወዳእታ ሽቶና ኣይኮነን። ድሕሪ ሰላም ድኽነትን ድሕረትን ንምጥፋእ እንገብሮ ቃልሲ እዩ እቲ ዝላዓለ ርብርብ ዝሓተና። ሰላም እተዘይዓሲሉ ድማ ምስ ድኽነትን ድሕረትን ንምግጣም ስለዘይጥዕም ኣብ ከባቢና ሰላም ክሰፍን ከም ምሁራት ክንረባረብ ይግባእ ኢሎም።

ንሶም ብተወሳኺ እቲ ምትሕርፋር ናይ ህዝቢ ኣይኮነን ምኽንያቱ ናይ ህዝቢ እንተዝከውን ኣብ ክልል ኣምሓራ ሓደ ትግረዋይ ኣይምነበረን ኣብ ክልል ትግራይ እውን ከምኡ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

መድረኽ ዘተ ህዝብታት ትግራይን ኣምሓራን ኣብ መቐለ ተካይዱ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:39 0:00

XS
SM
MD
LG