ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መድረኽ ዘተ ሰላም ህዝብታት ትግራይን ኤርትራን ኣብ ሑመራ ተኻይዱ


ኣብ ከተማ ሰቲት ሑመራ ርክብ ህዝቢ ንህዝቢ ንምሕያል ኣብ ዝዓለመ መድረኽ ካብ ኦምሓጀርን ኸባቢኣን ንዝመፅኡ ብኣሸሓት ዝቑፀሩ ኤርትራውያንን ኣመራርሓ ዞባ ጋሽ ባርካ ዝተሳተፍሉ ናይ “እንኳዕ ደሓን መፃእኹም” ስነስርዓት ተኻይዱ።

እቲ መድረኽ ዘተ ሰላም፥ ኣብ መንጎ ህዝቢ ትግራይን ኤርትራን ዘሎ ርክብ ብዝበለፀ ንምዕባይ ዝዓለመ እዩ ተባሂሉ።

ኣብቲ መድረኽ ሰላም ንምስታፍ ዝመፁ ኤርትራዊ ኣይተ ሓዱሽ ተኽላይ ንፈለማ እዋን መሬት ኢትዮጵያ ከምዝረገፁን ብምሕባር ኣብ እቲ መድረኽ ሰላም ሕውነት ዝተንፀባረቐሉን ነይሩ ይብሉ።

እቲ ምትሕውዋስ ህዝቢ ዝተፈጠረ ሳላ ሰላም ዝተረኸበ እዩ ዝበሉ ኣይተ ሓዱሽ እዚ ሰላም ኩላትና ንሓልዎ ኢሎም።

ኣይተ ተኸስተ ገብረማርያም ዝተባህሉ ነባሪ ከተማ ሰቲት ሑመራ ብወገኖም ናብቲ መድረኽ ሰላም 1000 ኤርትራውያን ተዓዲሞም ዋላካ ተነበሩ ልዕሊ እቲ ትልሚ ኣስታት 10 ሽሕ ዝኣኽሉ ተረኺቦም ኢሎም።

ካብ ዝሓለፈ ሰኑይ ጀሚሩ መሰመር ሑመራ ኦምሓጀር ካብ ዝኽፈት ኢትዮጵያውያን ናብ ኤርትራ ኤርትራውያን ድማ ናብ ኢትዮጵያ ብበዝሒ ይኣትዉ ኣለዉ ኢሎም።

ኣብቲ መድረኽ ካብ ዝተረኸቡ ኣመራርሓ ዞባ ጋሽ ባርካ ኣይተ ሓጎስ ዓንደብርሃን ኣቀባብላ ህዝቢ ሑመራን ኣመራርሓን ዝምስገን እዩ ኢሎም።

ኣብቲ መድረኽ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኤርትራውያን ነበርቲ ኦምሓጀርን ከባቢኣ፣ ካብ ኩለን ወረዳታት ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዝተውፃኡ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ካልኦት ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብን ተረኺቦም።

ዶክተር ደብረፅዮን ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተፈጠረ ሰላም ንድሕሪት ከይምለስ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ቁርፀኛ እዮም ኢሎም።

ብተወሳኺ ድማ ዶክተር ደብረፅዮን ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ዘጋጠመ ኪሳራ እቲ ዝተፈጠረ ሰላም ብምጥቃም ነከሓሕሶ ኢሎም።

እቶም ተሳተፍቲ፥ ድሕሪ ነዊሕ እዋን ሰላም ክልቲኦም ህዝብታት ናብ ንቡር ተመሊሱ ኣብ ሩባ ተከዘ ዳግም ሓቢሮም መድረኽ ሰላም ዘካየድሉ እዩ ኢሎም።

ዶብ ሑመራ-ኦምሓጀር መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝተረኸብሉ 29 ታሕሳስ 2011 ዓ.ም ብወግዒ ከምዝተኸፈተ ይዝከር።

ህዝባዊ መድረኽ ህዝብታት ትግራይን ኤርትራን ኣብ ሑመራ ተኻይዱ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:51 0:00

XS
SM
MD
LG