ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'መድረኽ ህዝብታት ኣፍሪቃ' ዝተባህለ ውዳበ፡ ድምጺ ኣፍሪቃውያን ዝያዳ ክስማዕ ይጽውዕ


'መድረኽ ህዝብታት ኣፍሪቃ' ዝተባህለ ውዳበ፡ ድምጺ ኣፍሪቃውያን ዝያዳ ክስማዕ ይጽውዕ
please wait

No media source currently available

0:00 0:08:43 0:00

'መድረኽ ህዝብታት ኣፍሪቃ' ዝተባህለ ውዳበ፡ ድምጺ ኣፍሪቃውያን ዝያዳ ክስማዕ ይጽውዕ

'መድረኽ ህዝብታት ኣፍሪቃ' ዝተባህለ ምድላው ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ኣብ ዝርከብ ማእከል ኮሚኒቲ ኤርትራውያን ተኻይዱ ኔሩ። ካብ ኤርትራ፡ኢትዮጵያ፡ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ኣመሪካን ዝውለዱ ምሁራትን ተሓለቕትን ድማ ነናቶም ኣርእስቲ ሒዞም ንኣፍሪቃን፡ ዝምድና ኣመሪካን ዓለምን ዝምልከት መጽናዕታዊ ጽሑፋት ኣቕሪቦም ኔሮም። ነቲ መድረኽ ዝኣልይኦ ዝነበራ ካብ ኢትዮጵያውያን ስድራቤት ትውለድ ኣመሪካዊት ጋዜጠኛን ተሓላቒትን ሄርሜላ ኣረጋዊ ምስ ኤርትራዊት ኣመሪካዊት ጸሓፊትን ወዳቢትን ዮሊያን ዑቕቡ ብምዃን`የን።

ኤልያስ ኣማረ፡ ኤርትራዊ ተመራማሪ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ነብዩ ኣስፋው፡ መስራቲ ቤት ምኽሪ ልምዓት ኣመሪካን ኢትዮጵያን፡ ኤልያስ ሕሩይ ካብ ኢትዮጵያን ኣመሪካን ህዝባዊ ጉዳያት ኮሚቴ፡ ከምኡ`ውን ዶ/ር ስምኦን ተስፋማርያም ሓኪምን ተሓላቒ ኣፍሪቃውያን ኮሚኒቲን ፡ካብ መንጎ`ቶም መጽናዕታዊ ጽሑፋቶም ዘቕረቡ ክኾኑ ኸለዉ፡ ካልኦት ከም ኢዩጂን ፑረየር፡ ፓወል ሳንካራ፡ ጃኩሊን ሉግማን፡ ካማኡ ፍራንክሊን፡ ኤሪካ ከይስን ፡ ሻን ብላክማን ዝኣመሰሉ ተጣበቕቲ ፓን-ኣፍሪካኒዝም እውን መደረታቶም ኣቕሪቦም ኔሮም`ዮም።

ብዛዕባ`ቲ ዝተኻየደ መድረኽ ንድምጺ ኣመሪካ መብርሂ ዝሃበ ካብቶም መጽናዕታዊ ጽሑፋት ዘቕረቡ ሓደ ዝኾነ ተመራማርን ተንታንን ቀርኒ ኣፍሪቃ ኤልያስ ኣማረ፡ እቲ መድረኽ ነቲ ኣብዚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ መራሕቲ ኣመሪካን ኣፍሪቃን ግብረ መልሲ ተባሂሉ ዝተዳለወ ኣይኮነን ድሕሪ ምባል፡ እንተኾነ ምስቲ ዘሕልፎ ውሳነ ግን ተመሳሳልነት ኣለዎ፡ ምኽንያቱ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብዚ እዋን`ዚ 'ንኣፍሪቃዊ ጸገም ኣፍሪቃዊ ፍታሕ' ዝብል መርሆ ሒዙ ስለዘሎ ንሕና`ውን ምስኡ ዝሳነ`ዩ ቅኒትና ኢሉ።

XS
SM
MD
LG