ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መድሕን ህይወት ኢትዮጵያ ብዂናት ንዝወረደ ክሳራ ካሕሳ ከም ዘይከፍል ኣፍሊጡ


ኣቶ ነፃነት ለሜሳ
ኣቶ ነፃነት ለሜሳ

ብዂናት ንዘጋጠመ ጉድኣት ካሕሳ ከምዘይህብ ዋና ፈፃሚ ስራሕ መድሕን ህይወት ኢትዮጵያ ኣቶ ነፃነት ለሜሳ ንድምፂ ኣመሪካ ገሊጾም። እቶም በዓል መዚ ወሲኾም ትካሎም ካሕሳ ዝኸፍል ምስ ኲናት ንዘይተኣሳሰሩ ሓደጋታት ጥራይ ምዃኑ ገሊጾም። ናይቲ ትካል ውዕል ድሕነት ንዂናት ከም ዘየጠቓልል’ውን ሓቢሮም።

ኣቶ ነፃነት ብሰንኪ’ቲ ዝነበረ ኲናት ኣብ ክልል ትግራይን ካልኦት በቲ ኲናት ዝተፀልዉ ከባቢታትን መጠን ዝወረደ ክሳራታት ንምግማት ከም ዘጸግምክልል ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጾም። እንተዀነ፡ ትካል መድሕን ህይወት ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይን ካልኦት ከባቢታትን ካብ ኲናት ወጻኢ ንዘጋጠመ ሓደጋታት ካሕሳ ክህቡ ምዃኖምን ተገልገልቲ ድማ ጥርዓናቶም ከቕርቡ ከም ዝኽእሉን ሓቢሮም።

ኣብ ክልል ትግራይ ነቲ ኣብ መቐለ ዘሎ ዋና ቤት ፅሕፈት ጨንፈር፡ ሸውዓተ ጨንፈራት ትካል መድሕን ህይወት ኢትዮጵያ ከምዘለዉ ዘመልከቱ ኣቶ ነፃነት፡ ብሰንኪ እቲ ኲናት ኩሎም ስራሕ ኣቋሪፆም ብምንባሮም ትካሎም በዞም ጨንፈራት ኣቢሉ ንዓማዊል ይህቦ ካብ ዝነበረ ኣገልግሎት፣ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታት ኣስታት 200 ሚሊዮን ቅርሺ ኣታዊ ከም ዝሰኣነ ሓቢሮም። ሕዚ ግን ነቲ ስምምዕ ሰላም ስዒቡ፡ ትካሎም ኣብ ክልል ትግራይ ዳግም ኣገልግሎት መድሕን ህይወት ንምጅማር ኣብ ቀፃሊ ሰሙን ሓደ ጉጅለ ሰብ ሞያ ናብቲ ክልል ከም ዝልእኽ ኣመልኪቶም።

XS
SM
MD
LG