ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መደረ ፕረ. ትራምፕ ኣብ መበል 74 ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት


ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ቀንዲ መሰረት ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ብዙሕነትን ዓውለማን ካብ ነዊሕ ጀሚሮም ክቓወምዎ ጸኒሖም’ዮም እንተኾነ ከም መራሒ ንዋዕላ ዓለምለኸ ውድብ ተተአናግድ ሃገር ኣብ ዋዕላ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራ ንመበል ሳልሳይ ዓመት ሎሚ መደረ ኣስሚዖም ኣለው።

ፕረዚደንት ትራምፕ ሎሚ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ንዝተጋብኣ መበል 74 ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ዘስምዕዎ መደረ “ ናጽነት ትደልዩ እንተኾንኹም ብሃገርኹም ኩርዑ፡ ዲሞክራሲ ትደልዩ እንተኾንኹም ንሉአላዊነት ሃገርኹም ኣጥብቂኹም ሓዙ፡ ሰላም ትደልዩ እንተኾንኹም ድማ ሃገርኹም ኣፍቕሩ” ክብሉ መደረኦም ጀሚሮም።

ንሶም ኣብ ንጉዳይ ኢራን ብዝምልከት ኩለን ሃገራት ኣንጻር እስላማዊ ሪፖብሊክ ስጉምቲ ናይ ምውሳድ ሓላፍነት ኣለውን ድሕሪ ምባል “ሓላፍነቱ ዝሽከም ሃገር ንናይ ኢራን ጽምኢ ንምምላእ ገንዘባዊ ሓገዝ ክህብ የብሉን” ኢሎም።

ብሪጣንያ፡ፈንሳን ጀርመንን ትማሊ ሶኑይ ኣብ ዝሃብዎ ሓባራዊ ጋዜጣዊ መገለጺ ኣብ መዓደኒ ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ ንዘጋጠመ መጥቓዕቲ ሓላፍነት ኢራን ምዃኑ ብምሕባር፡ ከም ግብረ መልሲ’ዚ መጥቓዕቲ ብኣሜሪካ ንዝተወስደ ተወሳኺ ቁጠባዊ እገዳ ኣብ ልዕሊ ኢራን ሓቢሮም ኣለው።

ኢራን ብወገና ንዝቐረበ ክስታት ነጺጋ’ላ።

ሰበስልጣን ኢራንን ኣሜሪካን መራሕቲ ክልቲኣን ሃገራት ኣብ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ተራኺቦም ከምዘይዘራረቡ እንተገለጹ ዲፕሎማት ግን ገና ተስፋ ከምዘሎ ይገልጹ።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራሞፕ ሃይማኖታዊ ናጽነት ካብ ቀንዲ ቀዳምነት ሃገሮም ምኻኑ ብምግላጽ “ ኣሜሪካ ሃይማኖታዊ ስቕያት ንዝፍጽማ ሃገራት ዓለም ደው ከብላ ትጽውዕ” ኢሎም።

ምምሕዳሮም ኣብ ሃገሮም ካብ ዝበጽሖም ስቅያት ሃዲሞም ኣብ ኣሜሪካ ዑቕባ ንዝሓቱ ዜጋታት ማዕጾ ብምዕጻው ኣብ ዝንቐፈሉ ዘሎ “ ኣሜሪካ ኩሉ ጊዜ ድምጺ እቶም ብሰንኪ ሃይማኖታዊ እምነቶም ስቕያት ዝበጽሖም እያ። ኣብ ዝሓለው ይሃልው ኣብ ኣሜሪካ ቦታ ክሕልወኹም እዩ” ድማ ኢሎም።

ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ መደረኦም ተሪር መልእኽቲ ንፕረዚደንት ቻይና’ውን ኣሕሊፎም። ዓለም ነቲ ኣብ ሆንግ ኮንግ ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞታት ብቕርበት ትከታተሎ ከምዘላ ብምግላጽ ‘ቻይና ነቲ ተቓውሞ ትሕዘሉ ኩነታት ንመጻኢ ተራ’ታ ሃገር ኣብ ዓለም ዓብይ ጽልዋ ኣለዎ” ኢሎም።

ኣብ ዝምድና ንግዲ ቻይናን ኣሜሪካን ድማ ኣብ ስምምዕ ክበጽሑ ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም፡ ግን ንኣሜሪካዊያን ጽቡቕ ዘይኾነ ስምምዕ ከምዘይቕበሎ ንጹር ጌሮም ኣለው።

እቲ ቀንዲ ዝያዳ ትኹረት ዝተገብረሉ አካል’ዚ ዋዕላ ዝኾነ ትማሊ ዝተኻየደ ዋዕላ ክሊማ ኮይኑ ፕረዚደንት ትራፕም ሓጺር ዘይተመደበ ተሳትፎ ጥራይ ብምኽያድ መደረ ከምዘየስምዑ ካብቲ ኣኼባ ምውጽ ኦም ይፍለጥ።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ምስ መራሕቲ ገለ ሃገራት ብውልቂ ተራኺቦም ከምዝዘራረቡን ብጠቕላሊ ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒ ጉተረስ ዝተዳለወ እንግዶት ዲፕሎማት’ውን ከምዝሳተፉ ተፈሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG