ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መደረ ፕረ. ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ መበል 74 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕ/ሃ


ኣብዚ ኣብ ኒውዮርክ ይካየድ ኣብ ዘሎ መበል 74 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት መደረ ዝስመዓ ናይ ኢትዮጵያ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ለውጢ ስዒቡ መንግስቲ ኣብ ሓያለ ጨንፈራት ትኹረት ሂቡ ይስርሕ ከምዘሎ ተዛሪበን።

ዓለም አጋጢምዋ ዘሎ ብድሆታት ለውጢ ክሊማ፡ግብረሽበራን ውድድር ኣጽዋርን ዝአመሰሉ ብድሆታት ድማ ዓለምለኸ መፍትሒ ዘድልዮም’ዮም ክብላ ገሊጸን።

ፕረዚደንት ሳህለ ወርቅ ዘውዴ ኣብቲ ንመበል 74 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ብቋንቋ ኣምሓርኛ ዘስምዕኦ መደረ ኣብ ሃገረን ድሕሪ’ቲ ዝተኻየደ ለውጢ ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያት ትኹረ ብምሃብ ይስራሕ ከምዘሎ ብመሰረ’ዚ ኸአ ዲሞክራሲያዊ መሰል ዜጋታት ዕድል ስራሕ ኣብ ምፍጣር ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝተፈላለየ ቁጠባውን ፖለቲካዊን ጉዳያት ኣብ ምዕባይ ጽቡቅ ፈረ የርእይ ኣሎ ኢለን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

መደረ ፕረ. ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ መበል 74 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕ/ሃ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:16 0:00


ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG