ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መደረ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ሳህለወርቅ ዘውዴ ንአባላት ቤት ምኽሪ'ታ ሃገር


ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ሳህለወርቅ
ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ሳህለወርቅ
ኣብ ኢትዮጵያ ሃገራዊ ምርድዳእ ንኽፍጠር ህዝቢ’ታ ሃገር ሓያል ደገፍ ንኽገብር ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣገንዚበን። ብዓመፅን ብብረትን ኣብ ኢትዮጵያ ስልጣን ምሓዝ ኣይከኣል ክብላ’ዉን ኣጠንቂቀን።

ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ 6ይ ሓባራዊ ባይቶ ፈደሬሽንን ባይቶ ወከልቲን ናይ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ኣብ ዘስምዕኦ መደረ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ናይ ለውጢ ዓመታት ኣብ ዝበልኦ ግዜ እታ ሃገር ዘጋጠማ ላዕልን ታሕትን ብምጥቃስ ነቲ ለውጢ ስዒቡ ዝመጸ ብድሆታት ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንዓመታት ኣብ ዝተወፈረ መከላኸሊ ሓይሊ’ታ ሃገር ዝተፈፀመ ተግባር ነወሪ’ዩ ኢለን።

ኣብ ካልኦት ክፍልታት’ታ ሃገር’ውን ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ዜጋታት ትካላት ህዝብን መንግስቲን ክፍፀሙ ዝስተውዓሉ ተግባራት ካብ ሕግን መርሆታትን ክብርታትን ሞራልን ባህልታትንናን ዝወፁ’ዮም ኔሮም ዝበላ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ድሕሪ ደጊም ለውጢ ኾነ ስልጣን ኣብ ኢትዮጵያ ኽውን ዝኾነሉ’ዩ ዝበልኦ መንገዲ ጠቂሰን።

“ ብዓመፅን ቃልሲ ጠመንጃን ወይ ንፁሃት ብምስባር ዝርከብ ስልጣን ድሕሪ ደጊም ኣብ ምድረ-ኢትዮጵያ ዘይፍጠር ምኻኑ ክፍለጥ ይግባእ። ብዝካየድ ሕጋዊ ምርጫ ጥራይ ብምስታፍ ወሃቢ ስልጣንን ዝሸይምን ህዝቢ ኢትዮጵያ ጥራይ ስለዝኾነ ፖሎቲከኛታትን ፓርትታትን ፖለቲካ ሃገርና ንዲሞክራስያዊ መንገዲ ኣብ ዝካየድ ሕጋዊ ምርጫ ጥራይ ብምስታፍ ህዝቡኹምን ሃገርኩምን ተገልግልሉ ሰላማዊ መድረኽ ውድድር ጥራይ ንኽትመርፁ ኸዘኻኽረኩም እፈቱ” ኢለን ።

ኣስዒበን ትምኒትና ሃገራዊ ምርድዳእ ንኽፍጠር ትዕግስቲ ምትእምማን ምምኽኻርን ሕብረትን ሓድናትን ናይ ልዝብን ክትዕንን ባህሊታት ከነደንፍዕ ኣለና ዝበላ ፕረዚደንት ሳህለ ምስ ጂኦ ፖልሎቲካ ፖለቲካዊ ኣቀማምጣን ሓድሽ ተፈጢሩ ዝበልኦ ዓለም-ለኸ ኩነታትን ኣተሓሕዛን መንግስቲ ዝስዕቦ ዝበልኦ ኣንፈት ርክባት ከባቢን ኣመልኪተን፡ “ ኢትዮጵያ ኣብ ትርከበሉ ቀርኒ ኣፍሪቃ ቀይሕ ባሕሪ ባብኤል-መንደብ ወሽመጥ ዓደን ከባቢ’ቲ ዞባን ናይ ሓያላት ሃገራት ምፍጣጥ በብእዋኑ ይውስኽ’ሎ። ኣብዚ ከባቢታት ኣብ ዝግብሩ ዓበይቲ ፍፃመታት ኢትዮጵያ ናይ ሩሑቅ ተዓዛቢት ክትከውን ኣይግባእን። ስለዝኾነ ምስ ጎረባብቲ ሃገራትን ኣብቲ ዞባ ምስ ዘለዉ ትካላትን ተዋዲዳ ኣብቲ ዞባ ሃገራዊ ረብሓ ናይ ምሕላው ስራሕ ብትኹረት ክስራሕ’ዩ። ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዘለና ርክብ ኣብ ከባቢና ነባሪ ሰላምን ማሕበራዊ መስተጋብርን ቁጠባዊ ምትእስሳርን ሓባራዊ ብልፅግናን ንምምጻእ ዘኽእል ስትራቴጂ ብምሕንፃፅ ተግባራዊ ክግበር’ዩ” ኢለን።

ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ኣብዚ መደረኣን ብዛዕባ ኣገልግሎታት ቁጠባዊ ውጥናትን ካልኦት ጉዳያትን ኣመልኪተን ዝተዛረባ ክኾና ኸለዋ ኣታዊ መንግስቲ ኣብ 2014 በጀት ዓመት 600.9 ቢልዩን ብር ንምብፃሕ ሸቶ ተታሒዙ’ሎ፡ ካብ ወፃኢ ሸቀጣት ኣታዊ 5.25 ቢልዮን ዶላር ክበፅሕ’ዩ ኢለን።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ፅባሕ ኣባላት ካብሌኦም ናብ ባይቶ ወከልቲ ኣቅሪቦም ክሸሙ ትፅቢት ይግበር።

ኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣቶ ታገሰ ጫፎ ምኽትል ኣፍ-ጉባኤ ወይዘሮ ሎሚ በዶ ከምኡ’ውን ኣፈ-ጉባኤ ኣቶ ኣገኘሁ ተሻገርን ምኽትል ኣፈ-ጉባኤ ወይዘሮ ዛህራ ኡሙድ ዓሊ ኣብ ቅድሚ’ቶም ባይቶታት ቃለ-ማሕላ ኣለው።

XS
SM
MD
LG