ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መደረ ፕረዚደንት ትራምፕ


ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ ካልኣይ ሃገራዊ መደረ ንምምሕያሽ ናብራ ዜጋታት’ታ ሃገር፥ ንቅልጡፍ ዝመሓየሽ ዘሎ ቁጠባ ኣሜሪካን ዝሕይል ዘሎ ወታሃደራዊ ሓይሊ’ታ ሃገር ካብ ኣወንታዊ ውጽኢት ምምሕዳሮም ምዃኖም ጠቂሶም።

ንሶም ኣብ ጉዳይ ኢምግሬሽን ንዘለዎም መርገጺ’ውን ሓቢሮም።

ፕረዚደንት ትራምፕ ምምሕዳሮም ኣብ ምሕያል ደቂ ኣንስትዮ ዘበርክቶ ተራ’ውን ጠቂሶም።

ኣብ ጉዳይ ንግዲ ምስ ቻይና ዝሓሸን ፍትሓዊን ንግዳዊ ዝምድና ይሰርሑ ከምዘለው ገሊጾም።

ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብዚ ሕጂ እዋን ንዕኦም ኾነ ኹሉ ቀዳምነት ክወሃቦ ዝግባእ ምጉዳል ዋጋ ኣገልግሎት ጥዕና ምዃኑ ሓቢሮም።

ኣብ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ምስ ሰሜን ኮርያ ዝተመሓየሸ ዝምድና ብምግላጽ ኣሜሪካ ንሓድሽ ዝተመርጸ መራሒ ቬንዝዋላ ኣፍልጦ ከምትህብ ምግላጽ ንናጽነት ምስ ዝብህግ ህዝቢ ቬንዝዋላ ደው ከምትብል ገሊጾም።

ብምቅጻል’ውን ኣንጻር ዳዒሽ ዘካይድዎ ቃልሲ ብምቅጻል ሰራዊት ኣሜሪካ ግን ካብ ሶርያ ከምዝስህብ ገሊጾም።

ኣሜሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን ምስ ጣሊባን ዘኻየደቶ ልዝብ ሰላምን ኣወንታዊ ውጽኢቱ’ውን ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ መደረኦም ጠቂሶም።

ኣብ መወዳእታ ድማ ፕረዚደንት ትራምፕ ንቀዳምነት ኣሜሪካ ኣብ ልብና ነሕድር ክብሉ ጻዊቶም ኣቕሪቦም።

ስቴሲ ኣብርሃም መራሒት ክፍለ ግዝኣት ጆርጅያ ንምዃን ተወዳዲራ ዝነበረት ክትኸውን ከላ ሎሚ ንፓርቲ ዲሞክራቲክ ፓርቲ ብምውካል ንመደረ ፕረዚደንት ትራምፕ ግብረ መልሲ ሂባ።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ መደረ ፕረዚደንት ትራምፕን ግብረ መልሲ ዲሞክራትክ ፓርቲን ኣብ ናይ ጽባሕ ፈነወ ተኸታተሉ።

XS
SM
MD
LG