ዋሽንግተን —
ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ብመሓውራት ዜና’ታ ሃገር ንህዝቢ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ብምክንያት ቅትለት ህቡብ ድምጻዊ ኣፋን ኦሮሞ ሃጫሉ ሁንዴሳ ዝተሰምዖም ሓዘን ዓሙቕ እንተኾነ’ዃ ድልየት ጸላእትና ዝጀመርናዮ ንከይዕወት: ህዝቢ ኦሮሞ በዚ ምክንያት ምስ ካልኦት ብሄራት ንኽባላዕን ክቓተልን ደም ክፋሰስ ጉዕዞና ክተዓናቐፍ ብተደጋጋሚ ፈቲኖም’ዮም ድሕሪ ምባል ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሰነ ኣብ አዲስ አበባ ዝተፈጸመ ጠቒሶም።