ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መደረ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣብ ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕ/ሃ


ሚኒስትር  ጉዳያት ወፃኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ
ሚኒስትር  ጉዳያት ወፃኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ

እቲ ካብ ዝሓለፈ ሰሉስ መስከረም 21 ጀሚሩ ኣብ ኒውዮርክ ዝካየድ ዘሎ መበል 76 ሓፈሻዊ ዋዕላ ውድብ ሕቡራት ሃገራት መደረኦም ብቪድዮ ዝቀረበ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ሳዕቤናት ከባቢያዊ አየርን ለበዳ ኮቪድ 19ን ኣብ ማሕበረሰብ ዓለም ዘብፅሖ ዘሎ ሳዕቤን ሰፍ ዘይብል ሓይሊ ሚዛን ዓለም ዘነቃነቐን እዩ ኢሎም ።

ኣብዚ እዋን ማሕበረሰብ ዓለም ርእይዎ ዘይፈልጥ ሰለስተ ዓበይቲ ፈተንቲ ፀገማት ገጢሙዎ ይርከብ ኢሎም። ከም መግለፂ እቶም ሚኒስትር ስጋብ ሕጂ መዓልታዊ ሰባት እናቀተል ዝቅፅል ዘሎ ለበዳ ኮቪድ 19 እቲ ሓደ ክኸውን ከሎ ፣ህይወት ህዝቢ ዓለም ንሓደጋ ዘቓልዐ ዘሎ ለውጢ ኸባቢያዊ ኣየርን ከምኡ'ውን ምስ ምልውዋጥ ሓይሊ ሚዛን ዓለም ዝመበገሲኡ ዓለምለኸ ንሕንሓትን ንዑዑ ስዒቡ ዘጋጥም ጎንፅን ክብሉ ይገልፅዎም ።

“እዚኦም ድማ ንገለ መሰረታውያን ሓቅታት ዘቃልዑ እዮም ኣብ ዝተወሰና ተምሳሌት ቁጠባዊ ዕብየት ተገይረን ንዘመናት ክውሰዳ ዝፀንሓ ሃገራት ስጋብ ሕጂ ንምሕደራ ውሽጥን ደገን ዝጥቀማሎም መስርሐን ኩለንተናውን ዘይድፈሩን ክበሃሉ ዝፀንሑ መለክዕታት ነቲ ሕጂዘሎ ጉድለት ዝርኣየ እዮ ።” ክብሉ ዝማዕበላ ሃገራት ዓለምለኻዊ ስርዓት ንምዕሳልን ንምውህሃድን ዝተኸተለኦም ፖሊሲታት ዓለምለኸ ህድኣትን ምዕባለን ኣየምፅኡን ክብሉ ወቂሶም ። ብምኻኑ ካብ ዝተወጣሕናዮ ኮረቻ ፈረስና ወሪድና ነዞም ጥፍኣት ብእዋኑ ፣ ብቅንዕንናን ተገዳስነትን ክንሓስበሎም ይግባእ ኢሎም።

ዓለምለኸ ሸቶታት ልምዓት ንምዕዋት ፣ እናተጋደደ ዝመፅእ ዘሎ ከባቢያዊ ለውጢ ኣየርን ንሓደጋታት ሰላምን ፀጥታን ዓለም ቅልጡፍ ምላሽ ዝህብ ፅኑዕ ውሳነ ውድብ ሕቡራት ሃገራት የድሊ ኢሎም ።

ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ኣብቲ ንጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝጠመተ መደረኦም ምስ ለበዳ ኮቪድ 19 ተተሓሒዙ ዘጋጠመ ቁጠባዊ ፀገማትን ንዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሑ ግጉያት ፖሊሲታት ምኽንያት ንጎንፅታት ቓሊዑ ይርከብ። ካብዚኦም ንውጥረት ዶባትን ምስ ግድብ ህዳሰ ተተሓሒዞም ዝለዓሉ ይጠቅሱ ። እቶም ሚኒስትር እዞም ጉዳያት ባዕሎም እቶም ሰብ ጉዳይ ንሓባራዊ ጥቅምታቶም ብዝጥዕም ተዛትዮም ክፈትሕዎ ዝግባእ እዩ ኢላ ኤርትራ ከምtአምን'ውን ገሊፆም ።

ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ 2018 ዝተፈራረመኦ ውዕል ሰላም ልዑል ተስፋ ስላምን ልምዓትን ሒዙ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ህዝብታት ልዑል ሓጎስን ፈጢሩ ዕብየትን የምፅእ ምህላዉ ገሊፆም ።

ይኹን'ምበር ህወሓት ግን ነዚ ሰናይ ተበግሶ ካብ ዘይምቅባል ፣ ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን ንምዝራግን ዳግም ብሓይሊ ናብ ስልጣን ንምብሓት ተግባራት ዕንወት የካይድ ኣሎ ኢሎም ።

“ኣብዚ ክዝከር ዝግበኦ ህወሓት ኣብ ስልጣን እናሃለወ ንኽልተ ዓሰርተ ዓመታት ሉኣላዊነት ግዝኣታት ኤርትራ ብምድፋር ብግልፂ ዓለምለኸ ሕጊ ብምጥሓስ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ንዝወሰኖ ውሳነ ንኸይትግበርን ዕንቅፋት ኮይኑ ፀኒሑ እዩ ።”

ኣቶ ዑስማን ህወሓት ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ሓይሊ ምክልኻል ኢትዮጵያ ሃንደባታዊ ሓደጋ ብምውራድ ወተሃደራዊ ኣፅዋራት መንዚዑ ደጊሙ ናብ ስልጣን ንምምፃእን ብኡ ድማ ንኤርትራ ንምጥቃዕ ዓሊሙ ዝፈፀሞ ተግባር ጥፍኣት 'ዩ ኢሎም ። ነቲ ጨካን ጉጅለ ክብሉ ዝፀውዕዎ ድልየታቱ ከፈፅም ኣሜሪካን ኣውሮጳን ይሕግዘኦ ኣለዋ ክብሉ ነቂፎም ።

እዚ ቅድም ኢሉ'ውን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ክፍፀም ዝፀንሐን ሉኣላዊነት ሓንቲ ሃገር ከምድላዮም ክጥምዝዙ ዝደልዩ ሓይልታት ዝግበር ድፍኢት ጠጠው ክብለን ካብ ተግባራቶም ክቁጠቡ ኣተሓሳሲቦም ።

ሰራዊት ኤርትራ “ ከበድቲ ግፋዕታት ሰብኣዊ መሰላት ፈፂሞም “ ብዝብል ግዳያት ሓደጋ ዝኾኑ ነበርቲ እቲ ኸባብን ብዓለምለኸ ትካላት ሰብኣዊ መሰላትን ክኽሰሱ ፀኒሖም እዮም ።ንኣሜሪካ ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ሰበ ስልጣናት ኣውሮጳ'ውን ኤርትራ ሰራዊታ ካብ ኢትዮጵያ ከተውፅእ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ክፅዉዑ ተሰሚዖም እዮም ። ከምኡ'ውን መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ስቪል ህዝቢ ወሪዱ ንዝተባህለ ጭካንያዊ ተግባራት ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ላዕለዋይ ኣዛዚ ጦር ሰራዊት ኤርትራ ብዓለምለኸ ሕጊ ማግኘነትስኪ ኣብ ቀረባ ማዕቀብ ምንባሩ ዝዝከር'ዩ ። ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ግና ኣብቲ ትማሊ ኣብ መበል 76 ዓመታዊ አኬባ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘስምዕዎ መደረ ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ወተሃደራቶም ኮነ ዝኽሰሱሎም ጥፍኣታት ዝበልዎ ነገር የለን ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::

መደረ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣብ ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕ/ሃ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:37 0:00


XS
SM
MD
LG