ዋሽንግተን —
ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲራል ራማፎዛ ንዝኣተውዎ ቃል ሰልጣን ፕረዚደንትነት ብምጥሓስ ዘይግቡእ ኣካይዳ ፈፂሞም ንዝብል ዝቀረበሎም ክስታት ኮሚቴ ገዛኢ ፓርቲ ንምዝርራብ ኣብ ዝቀራረበኡ ዘሎ ሎሚ ሰኑይ ጉዳይ መዝነቶም ተጠልጢሉ ይርከብ።
እቲ ዝግበር ምርመራ ራማፎዛ ኣብ ናይ ውልቆም ናይ መፃወቲ ቦታ ኣዝዩ ብዙሕ ናይ ወፃኢ ገንዘብ ብምስጢር ተሓቢኡ ምንባሩን ደሓር ኸኣ ኣብ 2020 ምጥፍኡን አየፍለጡን ዝብል’ዩ።
ራማፎዛ ዝፈፀምክዎ ጌጋ የለን በሃሊ’ዮም። ብዝኾነ ገበን ኸኣ ክሲ ኣይተኸሰሱን። እቲ ገንዘብ ካብ መሸጣ ኣቡዑር በረኻ ዝተረኸበ’ዩ ካብ ሓደ ሚልዮን ዶላር ኣዝዩ ዝወሓደ’ዩ ክብሉ’ወን ይሙጉቱ። ራማፎዛ ኣብቲ ኣኼባ ከምዝካፈሉን ንውሳነ ገዛኢ ፓርቲ ፓርቲ ኤ.ኤን.ሲ ከምዝቅበሉን ገሊፆም እንተነበሩ’ዃ ደሓር ኣብቲ ፓርቲ ካብ ዘለዉ መሻርኽቶም ደገፍ ከምዘለዎም ምስ ፈለጡ ግን ንዝኾነ ውሳነ ከም ዝብድህዎ ኣፍሊጦም’ለዉ።
ኣውፈርቲ ሃብቲ እዚ ኩነታት ንለውጢታት ቁጠባ ከይቕይርን ወፃኢ መንግስቲ ከየብዝሖን መጠን ዕዳ ከይውስኽን ስግኣቶም ይገልፁ’ለዉ።