ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማይክል ፓክ ብኮሚተ ኣህጉራዊ ጉዳያት ሰነት ንወኪል ኣህጉራዊ መራኸቢታት ኣሜሪካ ክመርሕ ጸዲቑ


ንድምጺ ኣሜሪካን ካልኦት ዓለም-ለኻዊ መደበራት ፈነወን ዝሓቖፈ ፈደራል ኤጀንሲ ንክመርሕ ብፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝተሰምየ ማይክል ፓክ፥ ትማሊ መዝነቱ ብኣገዳሲ ኮሚቴ ሰነት ጸዲቕሉ።

በቲ ብሪፓብሊካን ዝዕብለል ኮሚቴ ዝምድናታት ወጻኢ ብ12 ን10 ድምጺ ዝሓለፈ ድምጺ ንናይ መወዳእታ ውሳነ ናብ ምሉእ ባይቶ ሰነት ተመሪሑ`ሎ።

ጉዳይ መዝነቱ ኣፍራይ ዶክመንታሪ ፊልም ማይክል ፓክ ፥ ንዳርጋ ክልተ ዓመት`ዩ ክርኣይ ጸኒሑ-ሓደ ምኽንያት መደንጎይኡ ድማ፥ ደሞክራት ኣባላት ባይቶ፥ ምስ ናይ ንግዱ ውልቀ-ተረባሕነት ኣተኣሳሲሮም ስለዝኸስዎ`ዩ።

ቤት-ጽሕፈት ጠቕላሊ ዓቃቢ-ሕጊ ዋሺንግተን ዲሲ፥ ኣብ ልዕሊ ሚስተር ፓክ መርመራ ስለዝኸፈተ ንዝሓለፈ ሰሙን`ውን ተመዲቡ ዝነበረ ምውሃብ ድምጺ ተደናጉዩ ጸኒሑ። ካብ ዘይመኽሰባዊ `ፓብሊክ ሚድያ ላብ` ዝተባህለ ትካሉ፥ ዘይሕጋዊ ገንዘብ ኣብ ጠቕሙ ኣውዒሉ ዝብል`ዩ ክምርምር ደልዩ።ዋይት ሃዋስ ድማ ብዛዕባ`ቲ ምድንጓይ ብምምራር ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ጎኒ ፓክ ከምዘሎ ከፍልጥ ጸኒሑ።

ኣብ ናይ ትማሊ ሓሙስ ምውሃብ ድምጺማይክል ፓክ ክሳብ ነቲ ዘሎ ስኽፍታ ዝምልሾ ወይ ቤት-ጽሕፈት ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ዋሺንግተን ዲሲ መርመርኡ ዝውድእ ብምባል ብርክት ዝበሉ ደሞክራት ዳግም ነቲ ሽመት ንምድንጓይ ኣይፋሉን ዝብል ድምጺ ሂቦም`ዮም።

"ማይክል ፓክ ዝኣተወለይ ቃሉ ብምዕጻፍ ብጽቡቕ ድልየት ነቲ ጉዳይ ምርኣዩ ኣብዩ`ሎ" ዝበለ ደሞክራት ሰነተር ባብ መነንደዝ፥ ብሪፓብሊካን ዝምራሕ ኮሚቴ ነቲ ሽመት ብዘይ ውግንና ፓርቲ ክርእዮ ኣይከኣለን ኢሉ።

ብዛዕባ`ቲ ነቲ ኮሚቴ ዝመርሕ ሪፓብሊካን ኣቦ መንበር ጂም ሪስቺ ክዛረብ ከሎ ድማ " ንስኽፍታ ምሉእ ደሞክራቲክ መሪሕነት ምምላስ ስኢንካ " ኢልዎ። ሪሽቺ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ድማ፥ ዓቃቢ ሕጊ ኣሜሪካ ኮነ ሚንስትሪ ፍትሒ`ዛ ሃገር ፥ነቲ ምውሃብ ድምጺ ደው ክነብሎ እንተሓቲቶምና ደው ክንብሎ ኢና- ዛጊት ግን ዝሓተተና የለን -ክብል መልሲ ሂቡ።

ደሞክራት ሰነተር መነንደዝ ብዛዕባ ስኽፍታ ደሞክራት ነቲ ኮሚቴ ክዝርዝር ከሎ፥ማይክል ፓክ ኣብ መንጎ ዘይመኽሰባዊን መኽሰባዊን ትካላቱ ንዘሎ ምትእስሳር ናብ IRS ማለት ኣታዊ ውሽጢ ሃገር ብዝግባእ መንገዲ ኣየቕረቦን ይብል።

ቪኦኤ ካብ ወሃቢ-ቓል ማይክል ፓክ ርእይቶ ንምርካብ ሓቲቱ`ዩ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ንማይክል ፓክ ነቲ ድምጺ ኣመሪካ ዝርከቦ ግሎባላዊ ሚድያ ኣሜሪካ ክመርሕ ዳርጋ ቅድሚ ክልተ ዓመት`ዩ ረቑሕዎ፡ ናይ ደምክራት ምትዕንቓፍ`ዩ ብምባል ድማ እቲ ምጽዳቕ ስለዝደንጎየ ከማርር ጸኒሑ`ዩ። ትራምፕ ነቲ ሽመት ንምድፋእ ክሳብ ንኣኼባ ኮንግረስ ንምስግጋር`ውን ኣፈራሪሑ ኔሩ`ዩ ።

ዋይት ሃውስ ድሕሪ መርመራ`ቲ ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ዋሺንግተን ዲሲ፡ ንደሞክራት፥ ነቲ ሹመት ብምድንጓይ ብምኽሳስ ከምዚ ዝስዕብ ጽሑፍ ኣውጺኡ ኔሩ።

እቲ ጽሑፍ ዋይት ሃውስ "ፕረዚደንት ኣብ ጎኒ ማይክል ፓክ ኣሎ፡ ሓዚኑ`ዩ ግን ከኣ ኣይገርሞን`ዩ፥ እቶም ቁምነገር-ዘይገብሩ ደሞክራት ግን ሕጂ`ውን እንደገና ኣብ ልዕሊ ጽሩይ መዝገብ ሰራሕተኛ መንግስቲ ፓለቲካዊ ጸለምኦም ክድርብዩ ወሲኖም" ይብል ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብዚ እዋን ቅልውላው ቫይረስኮሮና ንቻይና ዝህቦ ናይ ዜና ሽፋን ብዝምልከት ንድምጺ ኣሜሪካ ወቒስዎ`ዩ ። ብዛዕባ ምስያም ማይክል ፓክ ምስተሓተተ፥ " ድምጺ ኣመሪካ ብሕማቕ`ዩ ዝመሓደር ዘሎ። ድምጺ ኣመሪካ ክብሃል ኣይክኣልን`ዩ። ናይ ድምጺ ኣመሪካ ተቓራኒ`ዮም" ኢሉ።

ዳይሬክተር ድምጺ ኣመሪካ ኣማንዳ በነት፥ ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ ፥ ንተልእኮን ኣጸባጽባን`ቲ ብገንዘብ መንግስቲ ኣመሪካ ዝምሓደር ኤጀንሲ ተኸላኺላ።

"ነቶም ኣብ ዙርያ ዓለም ዝርከቡን ንጭቡጥ፥ሓቀኛን ተኣማንን ሓበሬታ ዕድል ዘይብሎምን ኣህዛብ first Amendment ማለት ቀዳማይ ምሕዩሽ ዓንቀጽ ሕገ-መንግስቲ ኣመሪካ ኢና ነቕብሎም" ዝበለት ኣማንዳ በነት፥"ነዚ`ዮም ድማ ካብቶም ኣብ ልዕሊ 60 ሃገራት ብ47 ቋንቋታት ዝሰምዑና 280 ሚልዮን ሰማዕቲ፥ እቶም 80 %፡ ንስራሕና ተኣማኒ ኮይኑ ረኺብናዮ ዝብሉና " ኢላ።

ዝሓለፈ መስከረም ኣብ ዝተኻየደ መስርሕ ቃለ-ምስክርነት ምጽዳቕ ሹመት፥ ማይክል ፓክ ኣብ ልዕሊ`ቲ ብሕጊ ኣመሪካ ርትዓውን ሚዛናውን ጸብጻብ ከመሓላልፍ ሓላፍነት ዝተዋህቦ ግሎባላዊ ሚድያ ኣመሪካ፥ ፖለቲካዊ ጸቕጢ ክገብር ይፍትን`ዶ ንዝብል ስክፍታ ክምልስ ከሎ፥

"እቲ ኤጀንሲ ብምልኡ፥ ኣብ ናጽነት ሪፖርተራት `ዩ ዝምርኮስ፥ እንታይ ከመሓላልፉ ከምዘለዎም ዝኾነ ፖለቲካዊ ጽልዋ ኣይክህልዎምን`ዩ። ብዘይ ከምኡ ዝበለ እምነት እቲ ኤጀንሲ ጽቡቕ ክሰርሕ ኣይክእልን`ዩ " ኢሉ።

ግሎባላዊ ሚድያ ኣመሪካ ማለት ግሎባላዊ ሚድያ ኣመሪካ፥ ድምጺ ኣሜሪካ ንዝርከቦም ሓሙሽተ ናይ ኣመሪካ ሲቪላዊ ትካላት ፈነወ የመሓድር፥እቶም ዝተረፉ ኣርባዕተ፥ ረድዮ ናጻ ኤውሮጳ ማለት ረድዮ ሓርነት፥ ቤት-ጽሕፈት ፈነወ ኩባ፥ ናጻ ረድዮ እስያ፥ ከምኡ ድማ ብዓረብኛ ዘመሓላልፍ ኣል-ሑራ ተለቪዥንን ረድዮ ሳዋ ፈነወ ማእከላይ ምብራቕ`ዮም።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG