ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መዓስከር ስደተኛታት ሽመልባን ሕጻጽን ምዕናዎም ትካል ስደተኛታት ሕ/ሃ ኣረጋጊጹ


ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፣ ናብ’ተን ክሪኤን ዘይካኣለ ኣብ ትግራይ ዝነበራ ክልተ መዓስከር ስደተኛታት ድሕሪ ኣዋርሕ ከምዝኣተወን፣ 20 ሽሕ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣዕቁበን ዝነበራ ክልቲኤን መዓስከራት ሽመልባን ሕጻጽን፣ ሙሉእ ንሙሉእ ዓንየን፣ነቶም ስደተኛታት’ውን ከምዘይረኸቦም’ ትካል ስደተኛታት ሕ/ሃ ኣፍሊጡ።

ወሃቢ ቃል'ቲ ትካል ቦሪስ ቼሽሪኮቭ ኣብ ጄነቫ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፣ ጸገም ጸጥታ ኣብ ዝራኣየሉ ሃዋሁ፣ ናብ መዓስከር ስደተኛታት ሽመልባን ሕጻጽን ከምዝኣተወ" ኣፍሊጡ።

ኣብ ሕጻጽ ይብል ንሱ፣ ብሕልፊ ዞባ ሓደ፣ ቤት ጽሕፈት ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን መቀበሊ ኣጋይሽን ሙሉእ ንሙሉእ ከምዝተባርዑ ኣረጋጊጾም እዮም ይብል። እታ ጉጅለ ልኡኽቶ፣ ነቲ ኣብ ፈለማ’ዚ ዓመት’ዚ፣ ብሳተላይት ንዝተራኣየ ክስተት ከምዘረጋገጸት’ውን ጠቂሱ።

ወሃቢ ቃል ሕ/ሃ ፈርሃን ሃቅ "ጥሙር ወፍሪ ጉዳያት ኣተሓባባሪ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ) ድሕሪ ምክያድ፣ ክልቲኤን መዓስከራት ተደምሲሰን፣ ተሰሪቀንን ተዘሪፈንን ከምዝረኸብወን" ገሊጹ። ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብኩነታት’ቶም ኣብ’ተን መዓስከራት ዝነበሩ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ምሽቃሉን ኣፍሊጡ ኣሎ። ኩሎም ስደተኛታት ተበቲኖም ኣለው።

ኣብ ሕጻጽን ሽመልባን ኣስታት 20 ሽሕ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ነይሮም። 7 ሽህ ኤርትራዊያን ናብ ማይዓይኒን ዓዲ ሓርሽን ንክኣትው ከምዝተገበረ፣ 2 ሽሕ ካልኦት ድማ ኣብ ሽረ፣ መቀለ፣ ዓፋርን አዲስ አበባን ተበታቲኖም ይርከቡ።

እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ ኣብ ሸራሮን ሽመልባን ዘሎ ውሽጣዊ ተመዛበልቲ ኣብ ጽንኩር ሕጽረት ህይወት ኣድሕን ሓገዛት ከምዝርከቡ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG