ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

100 መዓልታት መዝነት ቀዳማይ ሚንስተር አብይ አሕመድ


ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ስልጣን ካብ ዝሕዙ ሎሚ ልክዕ ሓደ ሚእቲ መዓልቲ ኣቑጺሮም ኣለው።

ኢትዮጵያ ኣብ ከቢድ ቅልውላው ኣትያ ኣብዝነበረትሉ እዋን ናብ ስልጣን ዝደየቡ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ትኹረት መራኸቢ ማዕኸናት ውሽጢ ሃገር ዓለምን ዝስሓቡ ተግባራት ፈፂሞም እዮም።

ናይ ዝሓለፉ 100 መዓልታት ጉዕዞ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝገምገሙ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ መምህር ታሪክን ስነጥበብን ኣቶ ኣበባው ኣያሌው እቶም ቀዳማይ ሚንስተር ዝተበላሸወ ድምፀት ፖለቲካዊ መደረ ከምዝቐየሩ ይገልፁ።

“ንፖለቲከኛታት፣ንካድራት ወይድማ ንውሑዳት ኢትዮጵያዊያን ልሂቃን ብዝርድኦም ከይኮነስ ናይ ኢኮኖሚ ይኹን ናይ ፖለቲካ ሽግራትና ከረድኡ ከለው ነቲ መንእሰይ፣ንዓብይ፣ንዝተመሃረ ይኹን ንዘይተመሃረ ብሓፈሻ ኩሉ ብዝርድኦ ቋንቋ ምዝራቦም ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ታሪኽ ፖለቲካዊ መደረ ዓብይ ለውጢ ኣምፂኦም ኢለ እኣምን።”

ኣቶ ኣበባው ብምውሳኽ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣብታ ኢትዮጵያ ክሰፍን ዝገበሩዎ መንፈስ ዕርቂ ዓብይ ምዃኑን እሱራት ፖለቲካ ምፍትሖም መፃኢ ፖለቲካዊ ክድልድል ባይታ ፈጢሮም እዮም ይብሉ ።

ኣብ ኣሜሪካ ክፍለ ግዝኣት ሚችጋን ዩኒቨርስቲ ካተሪንግ ናይ ታሪክ ፕሮፌሰር ዝኾኑ ህዝቅኤል ጋቢሳ ብወገኖም ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ስለ ፍቕርን ሓድነትን ብምዝራብ ኣንፀላልዩ ዝነበረ ሓደጋ መሊሶምዎ እዮም ይብሉ።

ፕሮፌሰር ህዝቅኤል ዘይትንከፉ ዝመስሉ ዝንበሩ እሱራ ብምፍታሕ፣ብፀረ ሽብር ዝተመደቡ ውድባት ነፃ ምግባሮም፣ብፖሊሲ ደረጃ እውን ዘፈራት ምክልኻልን ደሕንነትን ንምልዋጥ ዝወሰዱዎም ስጉምትታት ተስፋ ዝውሃቦም እዮም ይብሉ።ልዕሊ ኩሉ ድማ ንኢትዮጵያን ኤርትራን ንልዕሊ 20 ዓመታት ጨምዲዱ ሒዙወን ዝነበረ ወጥሪ ክፍታሕ ዝወሰዱዎም ስጉምቲ ነተን ሃገራት ጥራሕ ከይኮነስ ንናይቲ ዞባ ሰላምን ምርድዳእን ዘለዎም ራእይ ዝሕብር ስለዝኾነ ዝጥቀሰ እዩ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

100 መዓልታት መዝነት ቀዳማይ ሚንስተር አብይ አሕመድ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:21 0:00

XS
SM
MD
LG