ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መዓልቲ ማርቲን ሉተር ኪንግ ተዘኪሩ ውዒሉ


ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካ ሎሚ ጥሪ 18 መዓልቲ ማርቲን ሉተር ኪንግ ተዘኪሩ ውዒሉ ። ብሰንኪ ለበዳ ቫይረስኮሮናን ጽንብል ቃለመሓላ ተመራጺ ጆ ባይደን ኣብ ዝቀራረበሉ ዘሎ እዋን- ስግኣት ፖለቲካዊ ጎንጺ ይንህር ብምህላው ኩሉ ውራያት ብማንዛ`ዩ ተኻይዱ።

ማርቲን ሉተር ኪንግ ኣብ ኩሉ ግዜ ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ሳልሰይቲ ሰኑይ`ዩ ዝኽበር. ናይ ሎሚ በዓል ቅድሚ ክልተ መዓልታት ምቕያር ፕረዚደንት ከምኡ'ውን ኣስታት 25 ሺሕ ዝኾኑ ሓለውቲ ወተሃደራት ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ተዋፊሮምሉ ኣብ ዘለውሉ እዋን'ዩ ዝዝከር ዘሎ።

ንመሰል ጸለምትን ካልኦትን ብሰለማዊ ቃልሱ ዝፍለጥ ማርቲን ሉተር ኪንግ ኣብ 1968 ኣብ መንፍስ ተነሲ ኣብ መበል 39 ዓመት ዕድሚኡ ከሎ ብጥይት ከምዝተቐተለ ይዝከር።

ሎሚ ኣብ ብዙሓት ከባብታት ኣሜሪካ ብመምርሕታት ኮቪድ ዝተማእዘነ ንስርሑን ዝዝኽሩን ዘንጸባርቕ ዝተፈላለየ መደባት ይካየድ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG