ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መኢኣድ ፡ ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዲግ ንውዕል ኣልጀርስ ንምቅባል ዘሕለፎ ውሳነ ከምዝቓወም ገሊጹ


ውድብ ሓድነት መላእ ኢትዮጵያ (መኢኣድ) ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዲግ ስምምዕ አልጀርስ ምቅባሉ ሓላፍነት ዝጎደሎ ተግባር’ዩ ክብል ተቓውምኡ ገሊጹ።

እቲ ውድብ ሎሚ ኣብ ዝጸውዖ ጋዜጣዊ መግለጺ ነቲ ብጽሑፍ ዝወጸ መግለጺ ብንባብ ኣቅሪቡ’ሎ። መኢኣድ ኣብቲ መግለጺኡ ኢህወዲግ ን27 ዓመታት ስልጣን ካብ ዝሓዘሉ ጊዜ ጀሚሩ ኣብ ረብሓ’ታ ሃገር ክሕደት ፈጺሙ’ዩ ድሕሪ ምባል ንውሳነ ኮሚሽን ዶብ ምቅባል ግን ንባድመ ሓዊሱ ሓያለ ግዝኣት ኢትዮጵያ ንኤርትራ ዝህብን ረብሓ ኢትዮጵያ ዝደፈረ ንስውኣት’ታ ሃገር ዘርከሰን’ዩ ኢሉ።

ናይቲ ውድብ ሓላፊ ጉዳያት መንእሰያት ኣብ እዋን’ቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ካብ ዝበልዎ ነቲ ውሳነ ምቅባል ነቲ ዘሎ ጸገም ሰላም ዘይፈትሕን ዘጋድድን’ዩ። “ወራሪ ሻዕብያ ከሎ ድልየት ሻዕብያ ምምላእን ባድመ ምሃብን ወረራን ጥፍኣትን ምትብባዕ’ዩ ኢልና ኢና ንኣምን” ኢሉ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG