ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መኢኣድን ኣርበኞች ግንቦት 7 ውህደት ፈጢሮም ዝብል መግለጺ መኢኣድ ኣፍልጦ ከምዘይህብ ገሊጹ


ውድብ ሓድነት መላእ ኢትዮጵያ/መኢኣድ/ ምስ ኣርበኞት ግንቦት 7ተፈፂሙ ንዝተባህለ ውህደት ኣፍልጦ ከምዘይህቦ ገሊፁ።ኣርበኞት ግንቦት 7 እቲ ኽሲ ካብ ሓቂ ዝርሓቐ እዩ ኢሉዎ’ሎ።

ውድብ ሓድነት መላእ ኢትዮጵያ/መኢኣድ/ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ምንቅስቓስ ኣርበኞት ግንቦት 7 ውህደት ፈፂሙና ኢሉ ዘውፅኦ መግለፂ ኣፍልጦ ኣንህበሉን ኢሉ።

ኣርበኞች ግንቦት 7 ንኣባላትናን ደገፍትናን ናይ ምክፍፋል ዕላማ ዘለዎ ሓደገኛን ዘይሕጋውን እዩ ክብል መኢኣድ ኾኒኑዎ’ሎ።

ምኽትል ፕረዚዳንት መኢኣድ ኣቶ ሙሉጌታ ኣበበ “ዝወረና ዘሎ ኢዴፓ ኣይኮነን፤ዝወረና ዘሎ ሰማያዊ ኣይኮነን። ግንቦት 7 ፈሪስና ንሰራሕ ኢሉ ብዝሓዞ ፍልስፍና ንመኢኣድ ንምጥፋእ ይንቀሳቐሰ ኣሎ።ምስ ሓድሽ ፓርቲ ተሰለፉ፣ውህደት ፈፅሙ፣ዝብል ካብ ቃላት ጀሚሩ ክሳብ ብናውቲ ብምሕባል ንኣባላትና ናይ ምክፍፋል ስራሕ ይስራሕ ስለዘሎ እዩ ንግንቦት 7 ፈሊና ዝፀዋዕናዮ” ኢሎም።

ኣቶ ሙሉጌታ ብተወሳኺ እቲ ውድብ ካብ ጌግኡ ክምሃር ዘይኽእል እንተኾይኑ ብሕጊ ከይተረፈ ክንሓቶ ኢና ኢሎም ።

ሓላፊ ክፍሊ ፖለቲካ ኣርበኞች 7 ግንቦት ኣቶ ኤፍሬም ማዴቦ መኢኣድ ዝሃቦ መግለፂ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ እዩ ኢሎም።

“ክሳብ ሎሚ ይትረፍስ ምዝርራብ ደው ምስ ዘበልናዮ መኢኣድ፣ ክንውሃድ ኢና ኢልና ምስ ዝሓሰብናዮም ሓሙሽተ ውድባት እውን ገና ኣይተውሃድናን።ተዋሂድና ዝብል መግለፂ መዓዝ ከምዝተውሃበ ንመኢኣድ ምሕታትና ኣይተርፍን።”

ኣቶ ኤፍሬም ወሲኾም ብመሪሕነት ኣርበኞች ግንቦት 7 ከምኡ ዝብል መግለፂ ተዋሂቡ እንተኾይኑ ንመኢኣድ ይቕሬታ ከምዝሓቱን መኢኣድ እውን ዘይተወሃበ መግለፂ ብምጥቓስ ይኸስስ እንተሃሊዩ ይቕሬታ ክሓቱ ኣለዎም ኢሎም ።

ክልቲኦም ፖለቲካዊ ውድባት ቅድም ክብል ንምውሃድ ዝገበሩዎ ፃዕሪ ከይተሰማምዑ ምትራፎም ይዝከር።

XS
SM
MD
LG