ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መኢኣድን መድረኽን ንመጥቓዕቲ ቦምብ አዲስ አበባ ብትሪ አውጊዞም


ፓርቲ ናይ ኢትዮጵያ መላእ ሓድነትን ፓርትን መድረኽ ፈደራላዊ ዲሞክራሲያዊ ሓድነትን ቀዳም አብ አዲስ አበባ ንቀዳማይ ሚንስትር አብይ አሕመድ ደገፍ ንምሃብ ኣብ ዝተጸወዓ ሰልፊ ዝተኻየደ ናይ ቦምብ መጥቓዕቲ አውጊዞም።

መኢአድ እዛ ዕለት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት መዓልቲ እቶም ዝሞቱን ዕለት ሓድነትን ኮይና ክትዝከር’ያ ክብል ጻውዒት ኣቕሪቡ’ሎ።

ሰማያዊ ፓርቲ ብወገኑ ሉአላዊነት ኢትዮጵያን ምፍቃድ ህዝባን ብድልዱል ትካላት ምምስራት የድልይ’ዩ ኢሉ’ሎ።

ክልቲኦም ፓርቲታት ነዚ ዝገለጹ ሎሚ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ኮይኑ እቲ ተግባር አካይዳ ናይቶም ሓድሽ ቀዳማይ ሚንስትር ዘይጠዓሞም ወገናት ኣለው እቲ ዝተፈጸመ ተግባር’ውን ወልፊ ግብረ ሽበራ ዝሓዞም አካላት’ዮም ክብል’ውን መኢአድ አትሪሩ ብምንቃፍ ናብ መንግስቲ ሕቶታት አቕሪቡ’ሎ። አቶ ይልቃል ደሳለኝ ናይቲ ውድብ ሓላፊ ጉዳይ መንእሰያት’ዮም።

“እቲ ጸገም ቅድሚ ምፍጣሩ ስርሖም ብዝግባእ ዘይፈጸሙን ብሸለልትነቶም ንዝተፈጥረ ጸገም ጸጥታ ምክንያት ዝኾኑ ሓለፍቲ ጸጥታ መንግስቲ ዝጀመሮ ምርመራ አሓይሉ ክቅጽል ንሓትት።”

ብካልእ ወገን ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት እውን ተመሳሳሊ መግለጺ አውጺኡ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

መኢኣድን መድረኽን ንመጥቓዕቲ ቦምብ አዲስ አበባ ብትሪ አውጊዞም
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:30 0:00

XS
SM
MD
LG