ዋሽንግተን —
መንግስትን ጉጅለታትን ተቓዋሚ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ናይ ምትግባር መስርሕ ጀሚሮም።
መራሕቲ ደቡብ ሱዳን ኣብታ ሃገር ሰላም ክሰፍን፣ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዝተመዛበሉን ካብ ሃገር ንዝሃደሙን ሰባት ንምጥያስን ናይ ሰለስተ ዓመታት ናይ ስግግር እዋን ተዋሂብዎም ኣሎ።
ኣብ እዋን እዚ ስግግር እታ ሃገር ሓሙሽተ ምኽትል ፕሬዝዳንታት፣ 35 ሚንስትራትን 550 ኣባላት ቤት ምኽሪን ብዝሓቁፍ መንግስቲ ክትምራሕ እያ።
ኣብ ኢንስቲቱዩት ፀጥታን መፃናዕትታትን ተመራማሪ ዲዮ ጉምባ ሃገራትን ዓለምለኸ ማሕበረሰብን ክንድ’ዚ ንዝገዘፈ መንግስቲ ብገንዘብ ንምምዋል ክፅገሙ እዮም ኢሎም ኣለው።