ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስታዊ ኣማኸርቲ ጥዕና ኣመሪካ ክታበት ቫይረስኮሮና ዘይወሰዱ ንሓድሽ ክታበት ኖቫቫክስ ክወስዱ ይመኽሩ


ፋይል
ፋይል

ኣብ ኣመሪካ ዛጊት ክታበት ኮቪድ19 ዘይተኸትቡ ኣባጽሕ ንሓድሽ ኣማራጺ ክታበት ኖቫቫክስ ንምኽታብ ክሓስብሉ ኣለዎም ክብሉ መንግስታዊ ኣማኸርቲ ኣፍሊጦም።

ሓደ ካብኣቶም ዶ/ር ኦሊቨር ብሩክስ ካብ ትካል ክንክን ጥዕና ዋትስ እዮም።

"ክታበት ኖቫቫክስ ቀዳማይ ዒላማ ዝገበሮም እቶም ካብ 10-13% ዝኾኑ ዘይተኸተቡ ምኻኖም ክጠቅስ ይደልይ። ዛጊት ዘሎ ምልክት ንሱ ጥራይ'ዩ። እዚ ፕሮቲን ዝሓዘ ክታበት ነዞም ዘይተኸተቡ ሓሳቦም ከለውጦም ክኽተቡን ብምትስፋው ብሓቂ ኣብኣቶም ትኹረት ምግባርና ኣድላይ ምኻኑ ምርዳእ የድሊ" ኢሎም።

እዚ ክታበት ንኣባጽሕ ክልተ ጊዜ ክወሃብ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጸዲቑ'ሎ። እንተኾነ ግን ቅድሚ ንሰባት ምኽታብ ምጅማር ብማእኸል ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት (ሲዲሲ) ክጸድቕ ኣለዎ።

ክሳብ ሕጂ ኹሎም ኣባላት መጋባእያ ኣማኸርቲ ማእኸል ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት(ሲዲሲ) ብምሉእ ድምጺ ዝደገፍዎ ክኸውን ከሎ ናይ መወዳታ ውሳነ ካብ ዳይረክተር እቲ ትካል ክወሃብ እዩ።

እቲ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ሜሪላንድ ዝመደበሩ ትካል ኣመሪካ ቀልጢፋ መሐየሊ ኽታበትን ክታበት ንትሕቲ ዕድመ ንክወሃብ ፍቃድ ክትህብን ተስፍኡ ገሊጹ'ሎ።

XS
SM
MD
LG