ኣስመራ —
መንግስት አርትራ ብ9 መጋቢት ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ሚንስትር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ዝተገብረ ፈተነ ቅትለት ብትሪ ከምዝኩንኖ፡ፕ ረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ትማሊ ናብ ኣቦ መንበር ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ኣብ ዝሰደዶ መልእክቲ ገሊጹ።
ብተመሳሳሊ ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ነቲ ኣብ ልዕሊ ቀ/ሚ ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ዝተኻየደ ፈተነ ቅትለት ብምኹናን “ህዝቢ ሱዳን ሰላም ኣብታ ሃገር ክሰፍን ከቢድ ዋጋን ዘገርም ስጉምቲታትን ወሲዱ’ዩ: ከምዚ ዓይነት ፍጻመታት ድማ ነቲ ንምርግጋእ ሱዳን ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ዘተዓናቕፍ’ዩ” ኢሎም።
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒ ጉተረስ ብወገኖም በቲ ፍጻመ “ምጉሃዮምን ምስንባዶምን” ብምግላጽ ኣብ ጎኒ ቀ/ሚ ሱዳንን ህዝቢ ሱዳንን ደው ከምዝብሉ ብምሕባር ነዚ ተግባር ዝፈጸሙ ድማ ናብ ሕጊ ክቐርቡ ጸዊዖም።