ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ኣትዮም ንዝበሎም 20 ኤርትራዊያን ኢትዮጵያዊያንን ከምዘባረረ ኣፍሊጡ


መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ናብታ ሃገር ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣትዮም ኢሉ ንዝኸሰሶም ልዕሊ 20 ኢትዮጵያዊያንን ኤርትራዊያንን ስደተኛታት ከምዘባርሮም ኣፍሊጡ።ሓደ ብዓል ስልጣን ሚንስትሪ ውሽጢ ሃገር ደቡብ ሱዳን እቶም ስደተኛታት ኣብ ዓለምለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ጁባ ከምዝተትሓዙ ገሊፆም።

ጠቕላሊ ዳይሬክተር ምዝገባ ስቪል፣ዜግነት፣ፓስፖርትን ኢሚግሬሽንን ጀነራል ኣተም ማሮል ቢያር ገሊኦም ኢትዮጵያዊያንን ኤርትራዊያንን ኣብ መወዳእታ እዚ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዓለምለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ጁባ ኣብ ቐይዲ ምእታዎም ኣፍሊጦም።

ሰበስልጣን ደቡብ ሱዳን እታ ሃገር ዝሓሸ ናብራ ዝደልዩ ነበርቲ ቀርኒ ኣፍሪቃ ቀንዲ መተሓላለፊት ትኸውን ኣላ ይብሉ።

ናይ ምብራር ዕጫ ካብ ዘጋጠሞም ሽማ ክግለፀላ ዘይደለየት ጓል 27 ዓመት ኤርትራዊት ኣብ ደቡን ሱዳን ንምዕቋብ ካብ ሃገራ ከምዝወፀት ትዛረብ።

ሰበስልጣን ኢሚግሬሽን ደቡብ ሱዳን ሕጋዊ መእተዊ ፍቓድ ንዘይብሎም ሰባት ክሕግዙ ከምዘይብሎም ጀነራል ቢያር ኣጠንቂቖም።

XS
SM
MD
LG