ዋሽንግተን —
ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ክልል ዓፋር ዘካየዶ ፖለቲካዊ ተሃድሶ ረብሓ ብዙሓን ዘየገናዘበን ኣብ መንጎ ህዝብታት ዘይምርድዳእ ንኽፍጠር ዝገብር’ዩ ክብሉ ፓርትታት ፖለቲካን ገለ ነበርቲ ከተማ ኣሳይታን ገሊፆም።
ናይ ህዝብታት ዓፋር ፍትሕን ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ አቦ መንበር ኣቶ መሃመድ ዳውድ ከምዝበልዎ ኣብታ ሃገርን ኣብቲ ክልልን ለውጢ ንክመጽእን ዝለዓለ ቃልስን መስዋእነትን እንተገበሩ’ኳ ኣብቲ ክልል’ቲ መስዋእትነት ዝተኸፈለሉ ለውጢ ኣይመጽእን ኢሎም።
ብዛዕባ’ዚ ዝተዋህበ ርእይቶን ቅሬታን ካብ’ቲ ነቲ ክልል ዘመሓድር ዘሎ ናይ ዓፋር ብሄራዊ ዲሞክራስያዊ ፓርቲ ምላሽ ንምርካብ ዝተካየደ ፃዕሪ ኣይሰመረን።