ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ክልል ኦሮምያ ኣብ ልዕሊ ኣስታት 2 ሽሕ ዕጡቓት 'ሸኔ' ስጉምቲ ምውሳዱ ኣፍሊጡ


ክልል ኦሮምያ ኢትዮጵያ
ክልል ኦሮምያ ኢትዮጵያ

ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ህጹጽ ኣዋጅ ካብ ዝእወጅ ንደሓር፡ ኣብ ልዕሊ 2 ሺሕ ዝኾኑ ዕጡቓት ሸኔ ስጉምቲ ከም ዝተወስደ ኣፍሊጡ። ሓላፊ ኮሚኒኬሽን ኦሮምያ ኣቶ ሃይሉ ኣዱኛ ከም ዝገለጾ እንተኾይኑ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ዕጡቓት ክማረኹ ከለዉ፡ ንኣባ ገዳ ኢዶም ዝሃቡ`ውን ኣለዉ።

ብዛዕባ`ዚ ጉዳይ፡ ንባዕሎም ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ፡ መንግስቲ ድማ ሸኔ ካብ ዝብሎም ዕጡቓት ዝተሰምዐ ነገር የለን።

ብኻልእ ወገን፡ ብተፈጥሮን ሰብ ዝፈጠሮ ሓደጋን ንዝትፈናቐሉ ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ኦሮሚያ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ዘድሊ ረድኤት ይቐርብ ከም ዘሎ እቲ ወሃቢ-ቓል ሓቢሩ`ሎ።

XS
SM
MD
LG