ባህርዳር —
መንግስቲ ክልል ኣምሓራ "ኣብቲ ኩናት ዝተሳዕረ ህወሓት ካብ ዘመሓድሮም ዝነበሩ ወልቃይትን ራያን ተዓፊኖም ዝተወስዱ ብ10ታት ኣሸሓት ዝቑጸሩ ንጹሃን ዜጋታት ዝኣተውዎ ኣይፍለጥን" ኢሉ ።
ኣስዒቡ ኣብ ማይካድራ ንጹሃን ዜጋታት ጨፍጪፎም ናብ ሱዳን መዕቆቢ ስደተኛታት ዘምርሑ መንእሰያት'ውን ብሕጊ ንክሕተቱ ምድላው ንገብር ኣለና ኢሉ።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብወገኑ ብዛዕባ'ቶም ተዓፊኖም ተወሲዶም ዝተባህሉ መረዳእታ ከምዝበጽሖን ኣብ ቀጻሊ ከምዘጻርዮን ኣፍሊጡ'ሎ ።