ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣብ ፕሮጀክት ሽኮር ጣና በለስ ኣብ ልዕሊ ተጋሪ ንዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ብትሪ ኾኒኑ


ኣብ ክልል ኣምሓራ ፕሮጀክት ልምዓት ሽኮር ጣና በለስ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ንሕገ መንግስታዊ መሰልን ነፃነትን ዜጋታት ዝፃባእ ተግባር እዩ ክብል ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብፅኑዕ ኾኒንዎ።

ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ርክባት መንግስቲ ክልል ትግራይ ሎሚ ሶኑይ ኣብ ዘውፅኦ መግለጺ ሓሳባት ሰላማዊ ብዝኾነ ኣገባብ ምግላፅን ኣፈላላይ እንተሃልዩ እውን ኣፈላላያት ምሓዝን ምግላፅን ኣብዝክኣለሉ ሃገር መንነት ማእኸል ገይሩ ዝፍፀም ዝኾነ ይኹን መጥቓዕቲ ብዝኾነ ይኹን መለከዒ ተቐባልነት ዘይብሉ ተግባር እዩ ኢሉ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ፕሮጀክት ልምዓት ሽኮር ጣና በለስ ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ተጋሩ ዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ንሕልፈት ህይወት ሰለስተ ተጋሩ ምኽንያት ኮይኑ ኣሎ፡፡ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ብሞት እዞም ወገናት ዝተሰምዖም መሪር ሓዘን እናገለፁ ንቤተሰብ፣ መሓዙትን ፈተውትን ግዳያት እዚ ሓደጋ ፅንዓት ይሃብኩም ኢሉ’ሎ፡፡

እቲ መግለፂ ብተወሳኺ መንነት ማእኸል ገይሩ ዝተፈፀም ዝኾነ ይኹን መጥቓዕቲ ብትሪ ብምኹናን ክንቃለሶ ኢና፤ መንግስቲ ፌዴራልን ክልል ኣምሓራን እውን ኣብዚ ዝተሳተፉ ኣካላት ናብ ሕጊ ክቐርቡን መሃሪ ስጉምቲ ንክወስዱሎምን ንፅውዕ ይብል ፡፡

ነቲ ኹነታት ብዝርዝር ዝምርምር ኮሚቴ ብምጥያሽ ኣብ ቐረባ ናብቲ ከባቢ ሓደ ጉጅለ ከምዝልእኽን ዝርዝር መረዳእታ ንህዝቢ ግልፂ ከምዝገብርን በዚ ኣጋጣሚ ክገልፅ ይፈቱ ይብል፡፡

ኣብቲ ፕሮጀክት ዝሰርሑ ዘዘራረብናዮም ኣብ ዝሃቡና ቃል እቶም ሰለስተ ብዘካሕክሕ ከምዝተቐትሉ ብምግላፅ ካልእ ሓደ ሰብ እውን ብዝወረዶ ከቢድ መውቃዕቲ ንህይወት ኣብ ዘስግእ ደረጃ ከምዝርከብ ገሊፆም።ኣብ ከቢድ ስግኣት ስለ እንርከብ ዝምልከቶም ካብቲ ከባቢ ከውፅኡና ንሓትት ኣለና እውን ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ድምጺ ኣሜሪካ ነበርቲ’ቲ ከባቢን ዝምልከቶም ናይቲ ክልል ሰበስልጣን ኣዘራሪቡ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብ ናይ ጽባሕ ፈነወ ተኸታተሉ።

XS
SM
MD
LG