ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'መንግስቲ ክልል ትግራይ ናይ ምርጫ ካርድ ኣይወሰድኹምን ብምባል ሰባት ምእሳሩ ናይ ወልቃይት አምሓራ መንነት አስመላሽ ኮሚቴ ይኸስስ:መንግስቲ ክልል ትግራይ ግን ነዚ ይነጽግ


'መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን፣ ካርዲ ናይ ምርጫ ኣይወሰድኩምን ኢሉ ካብ 200 ክሳብ 300 ሰባት ኣሲሩልና’ ክብል የወልቃይት የአማራ ማንነት አስመላሽ ኮሚቴ ከሲሱ።

ኣብ ጠገዴ ዝነብሩ ገለ ሰባት ‘ካድረታት ወያነ፣ መንግስቲ ምርጫ ንክነካይድ ተሰማሚዑ እናበሉ፣ ካርዲ ምርጫ ንክንወስድ ንግደድ አለና’ ከምዝበሉ ተገሊጹ።

እንተኾነ፣ ንክሲ እቲ ኮሚቴ ዝነጸጉ ሓላፊ ጸጥታን ምክትል ኣማሓዳሪን ንወልቃይት ዝሓወሰ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ኣቶ ስቦሕ ሓጎስ ‘ኣገዲድካ ምርጫ ዝባሃል ነገር የለን፣ ይትረፍ’ዶ 200 ወይ 300 ሰባት፣ ሓደ ሰብ በዚኣ ተኣሲረ ዝብል እንተልዩ፣ ተሓተቲ ንኸውን’ ኢሎም።

ዛጊት ኣብ’ቲ ዞባ ክሳብ 90 ሚእታዊት መረጽቲ፣ ተመዝጊቦም መምረጺ ካርዲ ከምዝወሰዱ ኣቶ ስቡሕ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም አለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG