ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ክልል ትግራይ ተኹሲ ደው ንምባል ቕድመ ኹነት ኣቐሚጡ


ብህወሓት ዝምራሕ መንግስቲ ክልል ትግራይ ተኹሲ ጠጠው ንምባል ቅድመ ኹነት ኣቀሚጡ።

መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ሓይልታት ኤርትራን ኣምሓራን ካብቲ ክልል ክወፁ ኣብቲ ክልል ዓለምለኸ በረራ ምክያድ ሓዊሱ ኩሎም መራኸቢታት ክኽፈቱ ብተወሳኺ ድማ ናብ ትግራይ ዝኾነ ዓይነት ኣካል ጸጥታ ፌደራል መንግስቲ ከይኣትው ዝብሉ ቅድመ ኹነት ካብ መንጎ ዝተቀመጡ’ዮም።

እቲ ናይ ፅሑፍ መግለፂ ጸገማት ብሰላማዊ መንገዲ ምፍታሕ ከም መትከል ዝቅበሎ ምኻኑ ብምግላፅ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ቅልውላው ንምፍታሕ ተኹሲ ጠጠው ንምባል ቅድመ ኹነት ኣቀሚጡ’ሎ። እቲ መግለፂ ወሲኹ ሰራዊት ምክልኻል ካብ ትግራይ ዝወፀ ብሓይሊ ተወቂዑ’ምበር ንሓረስቶት ሓልዩ ኣይኮነን ኢሉ’ሎ’።

ብዛዕባ’ዚ ብህወሓት ዝምራሕ መንግስቲ ክልል ትግራይ ዘውፅኦ መግለፂ ምላሽ መንግስት ኢትዮጵያን ኤርትራን ንምርካብ`ውን ንሰርሕ’ለና።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ነቲ ስጉምቲ በይናዊ ምቁራፅ ተፃብኦ ዝገበርክሉን ምኽንያት ስብኣዊ ረድኤት ናብ ህዝቢ ክበፅሕን እዋን ክረምቲ ብምዃኑ ሓረስቶት ንኽሓርሱን ብምባል’የ ክብል ምግላፁ ይዝከር።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::

መንግስቲ ክልል ትግራይ ተኹሲ ደው ንምባል ቕድመ ኹነት ኣቐሚጡ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:00 0:00



XS
SM
MD
LG