ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ክልል ትግራይ ለበዳ ቫይረስ ኮረና ንምክልኻል ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ኣዊጁ


ካቢነ መንግስቲ ክልል ትግራይ ትማሊ ምሸት ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ: ንክልተ ሰሙናት ዝፀንሕ ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ምእዋጁ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ተዛሪቦም::

ብመሰረት’ቲ ኣዋጅ ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ገጠር ናብ ከተማ፤ ካብ ከተማ ናብ ገጠር ካብ ከተማ ናብ ከተማ ካብ ገጠር ናብ ገጠር ዝግበር ጉዕዞ ተኸልኪሉ ኣሎ::

ካቢነ ፈፃሚ ስራሕ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ንክልተ ሰሙን ዝፀንሕ ድንጋገ ህፁፅ እዋን ኣዊጁ ኣሎ። ነዚ ኣመልኪቶም መግለፂ ዝሃቡ ዶክተር ደብረፅዮን ኣብያተ ትምህርቲ ተዓፅዮም ክፀንሑ ከምዝተወሰነ ገሊፆም::

እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ካብ 19 መጋቢት 2012 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ትግራይ ካብን ናብን ዝግበር ምንቅስቃስ ጠጠው ክብል ተወሲኑ ኢሎም :: ናይ ፀጥታ: ጥዕናን ኣካላት ምምሕዳርን ክንቀሳቐሱ ይፍቀደሎም እዩ:: ብተወሳኺ ድማ መሰረታዊ ሸቐጣት ንምዝውዋር ይፈቀድ እዩ ኢሎም:: ካብዚ ወፃኢ ግና ክልኩል ምኻኑ ተዛሪቦም:: ምስ መንግስታዊ ግልጋሎታት ተኣሳሲሩ ግድን ዘይኮኑ ስራሓት ክዕፀው ግድን ዝኾኑ ድማ ኣብ ገዝኦም ኾይኖም ክሰርሑ ተባሂሉ ኣሎ።

ናብ ኣብያተ ፅሕፈት ምእታው ግድን እንተኾይኑ ድማ ተረሓሒቆምን ኣፎምን ኣፍንጨኦምን ብመሸፈኒ ክሽፈኑ ይግባእ ዝብል ውሳነ ተመሓላሊፋ። ሰሙናዊ ህዝቢ ብበዝሒ ዝሳተፈለን ዕዳጋታት ትግራይ ዝተኣገደ ኮይኑ ኣብቲ ክልል ዝኾነ ይኹን ኣኼባ ከይካየድ እውን ተወሲኑ'ሎ::

ምስ ትካላት ንግዲ ተተሓሒዙ ቤት መስተ: እንዳ ጫትን ብተወሳኺ እውን ለይታዊ መዘናግዒ ክዕፀዉ ከምዝተወሰነ ዝገለፁ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ስቴድዮም ማእኸላት ቢንጎ: ፑልን ካልኦት ሰብ ዝእከበሎም መዘናግዒ ማእከላት ንኽልተ ሰሙን ክዕፀው ተወሲኑ ኣሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::


XS
SM
MD
LG