ድሬዳዋ —
ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ሶማል ብመሪሕነት ይሰርሑ ዝነበሩ ኣባላት ፓርቲ ብልፅግና ክልል ሶማል ኢና ዝበሉ ሰባት ብሓባር ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ መንግስቲ ክልል ሶማል ደርቂን ዘስዓቦ ጉድኣትን ንምክልኻል ትፅቢት ከምዝተገብረሉ ኣይሰርሐን: ናይቲ ፓርቲ ውሽጣዊ ዴሞክራሲ ብዝጠሓሰ ኣገባብ ውሑዳት ሰባት መዘዝቲን ኣባረርትን ኮይኖም ክብሉ ከሲሶም።ነቲ ጉጅለ ወኪሎም ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ መግለፂ ዝሃቡ ሓላፊ ቢሮ ጉዳይ ኮምኒኬሽን ነበር ኣቶ ዓብዱላሂ ኣሕመድ እቲ ደርቂ ንምክልኻል እኹል ስራሕ ኣይተሰርሐን ኢሎም።
ናይቲ ክልል መንግስቲ ግን ነቲ ደርቂ ንምክልኻል ብምሉእ ዓቕሙ ይሰርሕ ከምዘሎ ብምሕባር እቶም ቅሬታ ዘቕርቡ ዘለው ብዝተፈላለዩ ጉድለታት ስነ ምግባር ካብቲ ፓርቲ ዝተባረሩ እዮም ክብል ሓቢሩ'ሎ።