ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ናይ ኦጋዴን ሃገራዊ ናጽነት ግንባር (ኦብነግ) ስምምዕ ሰላም ምፍራሞም ተገሊጹ


ብሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ወርቅነህ ገበየሁን ምክትል ፕረዚደንት ክልል ሶማል ሙስጠፋ ዑመር ዝምራሕ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ብአድሚራል መሓመድ ዑመር ዑስማን ዝምራሕ ተወከልቲ ኦብነግ ብሰንበት ኣብ ኣስመራ ብምርኻብ ስምምዕ ሰላም ምፍርራሞም ተገሊጹ።

ኣብ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተነቢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ መሰል ኣብ ግምት ብምእታው ንጠንቂ’ቲ ኣብ ዞባ ዘሎ ግጭት ንምፍታሕ ዘሎ ተበግሶ ኣፍልጦ ብምሃብ ክልቲኦም ወገናት ተኩሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕን እቲ ግንባር ድማ ቃልሱ ብሰላማዊ መንገዲ ንምክያድ ምስምማዖም መንግስታዊ መርበብ ሓበሬታ ሻባይት ሓቢሩ።

ፓርላማ ኢትዮጵያ ነቲ ግንባር ካብ ዝርዝር ጉጅለ ግብረ ሽበራ ኣብ ወርሒ ሓምለ ምልዓሉ ስዒቡ እቲ ውድብ ኣብ ወርሒ ነሓሰ በይናዊ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ውሳነ ምሕላፉ ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG