ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

እስራኤል ንመደብ ጥርዝያ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ምቁራጻ ኣፍሊጣ


መንግስቲ እስራኤል ናብ ሃገሩ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝኣተው እዮም ዝበሎም ኤርትራዊያን ሱዳናዊያን ስደተኛታት ናይ ምጥራስ መደብ ከምዝሰረዞ ትማሊ ሶሉስ ኣፍሊጡ።

መንግስቲ እስራኤል ነቲ መደብ ዝሰረዘሉ ምክንያት ነቶም ስደተኛታት ዝቅበል ሳልሳይ ሃገር ብዘይምርካቡ ምዃኑ’ውን ተፈሊጡ‘ሎ።

መንግስቲ እስራኤል ንጉዳይ ስደተኛታት ክከታተል ዝጸንሓ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ’ታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መልሲ “ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ስደተኛታት ብኣስገዳድ ናብ ሳልሳይ ሃገር ንምጥራስ ዝነበረ መደብ ክትግበር ኣይክእልን’ዩ” ይብል።

መንግስቲ ብተወሳኺ እቶም ስደተኛታት ነቲ ናይ ክልተ ወርሒ ቪዛ ዳግማይ ከሓድሱ ከምዝኽእሉ ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ።

እቶም መብዛሕትኦም ኤርትራዊያንን ሱዳናዊያንን ዝኾኑ እዞም ስደተኛታት ተሓለቅቲ ሰብኣዊ መሰላትን ካብ ኣብ ሃገራቶም ዘሎ ኹናትን ስቅያትን ሃዲሞም ዝመጹ እምበር ናይ ቁጠባ ስደተኛታት ከምዘይኮኑ ይገልጹ።

ቀዳማይ ሚንስትር ቤንጃሚን ነታንያሁ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዝጸሃፍዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ኣብ ጉዳይ ምጥራስ እቶም ስደተኛታት ምስ ዝኾነ ሳልሳይ ሃገር ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ኣይተኻእለን ይኹን ደአ እምበር ንምኽፋት መዳጎኒ ማዕከላት ዘፍቅድ ሕጊ ግን ዳግማይ ከምዝሕንጽጹ ኣይሓብኡን።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ’ታ ሃገር ኣቐዲሙ መዳጎኒ ማእከላት ክዕጸው ዝእዝዝ ውሳነ ምሕላፉ ይፍለጥ።

ካብ ገዛኢ ፓርቲ ሊኩድ ፓርቲ ዝኾኑ Yoav Kish እዞም ስደተኛታት ናይ ቁጠባ ስደተኛታት እዮም ስለዚ ሓላፍነት እስራኤል ክኾኑ ኣይግባእን ይብሉ።

ብተወሳኺ ሰበ ስልጣን’ታ ሃገር እዞም ስደተኛታት ብብዝሒ ኣብ ዝነብርሉ ደቡባዊ እስራኤል ጠንቂ ምውሳኽ ገበንን ምጥፋእ ኣይሁድዊ መንነት እዮም ክብሉ ይኸሱ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ብዙሓት ዜጋታት’ታ ሃገር እስራኤል ኣብ እዋን ምጽናት ኣይሁዳዊያን ኣብ እዋን ናዚ ጀርመን ዝተሃንጸት ሃገር ብምኳና እስራኤል ሓላፍነት እዞም ሓተቲ ዑቕባ ክትወስድ ኣለዋ ይብሉ።

ነዚ ብዝምልከት ኣብ እስራኤል ንዝሓለፉ ኣስታት 10 ዓመታት ዝነበረ ኤርትራዊ መንእሰይ ተኽሊት ሚካኤል ብዛዕባ’ቲ ሓድሽ ምዕባለታት ይገልጽ።

እስራኤል ንመደብ ጥርዝያ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ምቁራጻ ኣፍሊጣ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:00 0:00

XS
SM
MD
LG