ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ እስራኤል ናብ ሃገሩ ክኣትው ንዝደልዩ ሓደ ሽሕ ኢትዮጵያዊያን ኣይሁድ ከምዝቕበል ኣፍሊጡ


መንግስቲ እስራኤል ናብ እስራኤል ክከዱ ዝደልዩ1,000 ኢትዮጵያዊያን ኣይሁድ ከምዝቕበል ኣፍሊጡ
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:24 0:00

መንግስቲ እስራኤል ናብ እስራኤል ክከዱ ዝደልዩ1,000 ኢትዮጵያዊያን ኣይሁድ ከምዝቕበል ኣፍሊጡ

መንግስቲ እስራኤል ናብ እስራኤል ክኸዱ ካብ ዝደልዩ 8,000 ኢትዮጵያዊያን ኣይሁድ ን1,000 ከምዝቕበል ኣፍሊጡ።

ቀዳማይ ሚንስትር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ ብሶኑይ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ንጉዳይ ብፈላሻ ሙራ ዝፍለጡ ማሕበረሰብ ዝከታተል ኮሚተ ብምድላው፡ እቲ ኮሚቴ ብዘካየዶ ምጽራይ ውላድ ኣብ እስራኤል ንዘለዎም አባላት’ቲ ማሕበረሰብ ጥራይ ከምዝቕበል ሓቢሮም ኣለው።

ዕድል እቶም ዝተረፉ 7,000 ኢትዮጵያዊያን ኣይሁድ እንታይ ከምዝኸውን ዝተፈልጠ ነገር የለን።

ወሃቢት ቃል ማሕበረሰብ ኢትዮጵያዊያን ኣይሁድ ኣሊሳ ቦድነር ንውሳነ ቀዳማይ ሚንስትር ቤንጃሚን ነታንያሁ “ብጣዕሚ ዘሕዝን’ዩ” ክትብል ገሊጻቶ አላ።

ዝበዝሑ ካብቶም ኢትዮጵያዊያን ኣይሁድ ንሃይማኖት ኣይሁድ ዝኽተሉን ኣብ እስራኤል ስድራቤት ዘለዎምን እዮም።

ኣብ 2015 እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኣይሁድ ናብ እስራኤል ክኸዱ ከምተፍቕድ እንተገለጸት ንምግዕዓዞም ግን ናይ ገንዘብ ሓገዝ ከየፍቐደት ጸኒሓ’ያ።

አባላት ስድራ ቤቶም ኣብ እስራኤል ዝርኸቡ ኢትዮጵያዊያን ኣይሁድ ግን ነዚ ውሳነ ዘይብቑዕን ፈላላይን’ዩ ክብሉ ይነጽግዎ።

XS
SM
MD
LG