ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኤርትራ፡ ንሕብረት ኣፍሪቃ ብኣተሓሕዛ ኩነታት ሱዳን ነቒፉ


ኣብ ቅልውላው ሱዳን፡ ንግዳማዊ ምትእትታዋት፡ ዕድል ብምኽፋት ንሕብረት ኣፍሪቃ ዝኸስስ መንግስቲ ኤርትራ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝወስዶ ዘሎ መርገጽ፡ ንኩነታት ሱዳን ዘብእስ’ዩ ኢሉ`ሎ።

ዝሓለፈ ሰሉስ ብሚንስትሪ ዜና ኤርትራ ዝወጸ መግለጺ፡ ነቲ ብኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሞሳ ፋቂ ዝወጸ፡ ኣህጉራዊ መሻርኽቲ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ጸቕጢ ክገበሩ ዝጽውዕ መግለጺ ግብረ-መልሲ ንምሃብ`ዩ ዝመስል።

ኮሚሽነር ሞሳ ፋቂ ኣብ`ቲ መግለጺኡ፡ ኩሎም ኣህጉራውያን መሻርኽቲ፡ ንቕጽበታዊ ምቁራጽ ጎንጽን፡ ህጹጽ ምቕጻል ፖለቲካዊ ልዝብን ዝተወሃሃደ ጻዕርታቶም ኣብ ልዕሊ ሱዳን ከዕርፉ ይጽውዕ።

መንግስቲ ኤርትራ ግን፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ምዕባለታት ሱዳን ዘርእዮ ዘሎ ተዋስኦ ንግዳማዊ ምትእትታዋት፡ ምስምስን ሽፋንን ምዃን`ዩ ድሕሪ ምባል፡“ንኩነታት ሱዳን ኣጋፊሕኩም ካብ ምትሕልላኽ ተቖጠቡ” ይብል።

ኣስመራ ኣብ ህሉው ኩነታት ሱዳን ክትዋሳእ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ንካልኣይ ግዚኣ`ዩ። ዝሓለፈ ወርሒ ብፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝተላእከ ሓደ ላዕላዋይ ጉጅለ ልኡኽ፡ ኣብ ካርቱም፡ ምስ`ቲ ኣብ መሪሕነት ዘሎ ወታሃደራዊ ቤት-ምኽሪን፡ ምስ መራሕቲ ተቓወምትን ተራኺቡ ዘትዩ ኔሩ`ዩ።

ምስዚ ብዝተኣሳሰር ዜና፡ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ንወታሃደራዊ መራሕትን ተቓወምትን ሱዳን ንምሽምጋል ጽባሕ ዓርቢ ናብ ካርቱም ክኸይድ`ዩ።

ቀ/ሚ ኣብይ፡ ምስ ክልቲኦም ወገናት ሱዳን ብምርኻብ፡ ብዛዕባ ናብ ዲሞክራሲ ምስግጋር ከምዝሽምግል ካብ ኣብ ካርቱም ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ከምዝሓበረ ሮይተርስ ሓቢሩ’ሎ።

ብኻልእ ዜና ኣሜሪካ ነቲ ለንቅነ ኣብ ሱዳን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኮኒናቶ`ላ። ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣብ መግለጺኡ፡ ናይ ሱዳን ወታሃደራዊ መሰጋገሪ ቤት ምኽሪን፡ ህጹጽ ናይ ድጋፍ ሓይሊ ሱዳንን ካብ ጎንጺ ክቑጠቡን፡ ናብ ሲቪላዊ ስግግር ንምእታው ምስ`ቶም ሓይልታት ናጽነትን ለውጥን ክሰርሑን ንጽውዕ ኢሉ`ሎ።

ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ቤት-ጽሕፈት ሰላምን ጸጥታን ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 30 ዘውጽኦ መግለጺ`ውን ንድግፍ ዝበለ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ፡ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ሚንስትሪ ወጻኢ ፡ ምስ ሰበስልጣን`ቲ ዞባ ብዛዕባ ካብ ጎንጺ ምቑጣብን፡ ናብ ልዝብ ምምላስን ኣብ ዝርርብ ከምዘለው ሓቢሩ`ሎ።

ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ካርቱም ሲቪላዊ መንግስቲ ክሳብ ዝምስረት ሱዳን ካብ ኣባልነት ኣውጺኡዋ`ሎ። እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ እቲ ወታሃደራዊ ቤት-ምኽሪ፡ ንፖለቲካዊ መጻኢ`ታ ሃገር ንምልዛብ ዘቕረቦ እማመ፡ በቶም ተቓወምቲ ምስ ተነጽገ `ዩ። ተቓወምቲ ሰልፈኛታት፡ ድሕሪ`ቲ ኣብ ልዕሊ ተሰለፍቲ ኣብ ካርቱም ዝተፈጸመ ቕትለት ፡ እዚ ብወተሃደራዊ ቤት-ምኽሪ ሱዳን ዝቐርብ ዘሎ ሓሳብ ቅንዕና የብሉን ይብሉ።

ብኻልእ ወገን ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ደቡብ ሱዳን ጀሪ ማቲጂላ ድማ፡ ሃገሩ ንሱዳን ኣብ ምድስካል፡ ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ-ክፍሊ ሰላምን ጸጥታን ከም እትተሓባበር ኣፍሊጡ`ሎ።

ምኽትል ኣምባሳደር ብሪጣንያ ድመትሪ ፖሊያንስኪ ብወገኑ፡ ኣብ ካርቱም ዝስማዕ ዘሎ ምፍርራሕን ጎንጽን ተቐባልነት የብሉን, ደው ክብል ኣለዎ ኢሉ።

መራሒ ወታሃደራዊ መሰጋገሪ ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ቡርሓን፡ ምስ መራሕቲ ተቓወምቲ ብዘይ ደረት ክንዛረብ ድልዋት ኢና ክብል ከሎ፡ ወሃቢ-ቃል ሰልፈኛታት ግን ቅንዕና ዘይብሉ`ዩ ክብል መሊሱሉ።

ኣብ`ዚ ሰሙን`ዚ ጥራሕ ኣብ ሱዳን ብዝተፈጥረ ጎንጺ ልዕሊ 100 ምሟቶም ይግለጽ ኣሎ። ልዕሊ 500 ከምዝቖሰሉ`ውን ይግለጽ`ዩ።

ሰልፈኛታትን ተቓወምትን ድሕሪ ሚያዝያ 11 ምውራድ ነዊሕ ነታ ሃገር ዝምርሑ ፕረዚደንት ዑማር ኣልበሽር-ስልጣን ዝሓዘ ወታሃደራዊ ሓይሊ፡ ስልጣን ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ከሰጋግር ክጽውዑ ጸኒሖም ኣለዉ።

ጎንጺ፡ ሱዳን ኣብ ወርሒ ዝሓለፈ ታሕሳስ`ዩ ብቁጥዐ ምኽባር ዋጋ ባንን ሕጽረት ጥረ-ገንዘብን ምጅማሩ ይዝከር።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ንሕብረት ኣፍሪቃ ብኣተሓሕዛ ኩነታት ሱዳን ነቒፉ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:05 0:00


XS
SM
MD
LG