ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኤርትራ ለውጢ እንተዘየተኣታትዩ ዋሕዚ ኤርትራዊን ስደተኛታት ክቕጽል’ዩ ክብላ ፍልይቲ ራፖርተር ሕ/ሃ ኣፍሊጠን


ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት እንተዘይተመሓይሹን መንግስቲ መሰረታዊ ናጽነት ዘረጋግጹ ለውጢ እንተዘየተኣታትዩን ዋሕዚ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ደው ከምዘይብል ፍልይቲ መርማሪት ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዳኔላ ክራቫትስ ኣጠንቒቐን። ንሰን ነዚ ዝበላ ናይ ፈለማ ዓመታዊ ሪፖርት ንቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሎሚ ሶሉስ ኣብ ዘረከበትሉ ጊዜ’ዩ።

ናይ ሕቡራት ሃገራት ፍልይቲ ራፖርተር ዳኔላ ክራቫትስ \ኤርትራን ኢትዮጵያን ቕድሚ ሓደ ዓመት ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ድሕሪ ምፍራረመን ዝምድና ክልቲኣን ሃገራት እንዳሓየለ ምምጽኡ ዘሓጉስ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጻ ይኹን ደአ እምበር ዋላ’ኳ ኣወንታዊ ምዕባለታት እንተለው ኣብ ኩነታት ሰብኣዊ ጉዳያት ኤርትራ ዝጭበጥ ለውጢ የለን ኢለን።

“ሓፈሻዊ ውጽኢት ሰላም ንተራ ኤርትራዊያን ዜጋታት ገና ክጠቅም ኣይጀመረን፡ ክጥቅም ዝክእለሉ ምልክታት’ውን ኣየርእይን’ዩ ዘሎ ከምውጽኢቱ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ዜጋታት’ታ ሃገር ይስደዱ ኣለው።”

ፍልይቲ ራፖርተር ክራቫትስ ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ቀንዲ ምክንያት ስደት ኤርትራዊያን ኮይኑ ይቕጽል ምህላው ከምዝተዓዘባ ይገልጻ። ንሰን ብተወሳኺ ካብ 18 ክሳብ 50 ዓመት ዝዕድሚኦም ዜጋታት ናይ 18 ኣዋርሕ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክገብሩ ከምዝግደዱ፡ እንተኾነ እቲ ህልው ኩነታት ግን ደረት ጊዜ ዘለዎ ብዘይምዃኑ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ሃገሮም ገዲፎም ክስደዱ ይግደዱ ኣለዎ ትብል።

ክራቫትስ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ለውጢ ከተኣታትው ኣብ ኣገልግሎት ንዘለው ድማ ከጣይስን ናይ ስራሕ ዕድል ክፈጥርን ይጽውዓ። ከምኡ`ውን ኣብታ ሃገር ዝረአ ናይ ሃውሪ ማእሰርቲ፡ ግዱድ ምስዋር ሰባትን ማእሰርቲ ብዘይ ፍርዲን ከምዘተሓሳሰሰን ኣብ`ቲ ሪፖርት ገሊጸን።

“ ሓደ ኣብነት ማእሰርቲ ኤርትራዊት ኣሜሪካዊት ሲሃም ዓሊ’ዩ። ኣብ ወርሒ ታህሳስ 2012 ጓል 15 ዓመት ከላ ብዘይፍቓድ ካብ ሃገር ክትወጽእ ኣብ ዝፈተነትሉ ተታሒዛ ክሳብ ሕጂ ኣብ ማእሰርቲ ትርከብ። ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ሲሃም መበል 22 ዓመት ልደታ ኣብ ማእሰርቲ ኣኽቢራ’ላ። ብዛዕባ ኩነታታ ድማ ዝፍለጥ ነገር የለን።”

Error rendering webtv un.

ክራቫትስ ወሲኸን ኩሎም እሱራት ፖለቲካ ኤርትራ ክፍትሑን ኤርትራ ንልዕልና ሕጊን ፍትሒን ክትህልውን ከተሓየልን ጸዊዐን።

ነዚ ምላሽ ዝሃበ ካብ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ፡ ኣብ ሉኣላዊነት ሃገሩ ዝካየድ ምትእትታው ከምዘይቕበሎ ብምግላጽ፡ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝተፈብረኸ ክስታት ሰብኣዊ መሰላት ተመርኩሱ ፡ዘይምኽኑይ ውሳነታትን ፍሉይ መዝነትን ብምጥቃም፡ ንዝሓለፈ ሸሞንተ ዓመታት ንሃገሩ ኤርትራ ዒላማ ጌሩ ክኸይድ ምጽንሑ ገሊጹ።

ንሱ ብተወሳኺ ቀንዲ ዕላማ ፍልይቲ ራፖርተር ንኤርትራ ንምውራድ፡ ምግላልን ዘይምርግጋእ ንምፍጣር ከምኡ’ውን ንዞባዊ ሰላምን፡ጸጥታን ምዕባለን’ቲ ዞባ ንምትሕልላኽ’ዩ ኢሉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG