ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ጉምዝ ስጉምቲ ይወስድ ከምዘሎ ኣፍሊጡ


Ethiopia Map
Ethiopia Map

ንፃውዒት ሰላም ኣብ ዝተቐመጠ ናይ ግዜ ገደብ ኢዶም ንመንግስቲ ኣብ ልዕሊ ዘይሃቡ ዕጡቓት ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝብታት ጉሙዝ ስጉምቲ ይውሰድ ከምዘሎ ሓላፊ ቢሮ ህንፀት ሰላም ፀጥታ ክልል ጉሙዝ ገሊፆም።

ሓላፊ ቢሮ ኣቶ ኣብዮት ኣልቦሮ ’'ዕጡቓት ኢዶም እንተሂቦም ዝውሰዶም’’ ስጉምቲ የለን ክብሉ ንቪኦኤ ገሊፆም።

ብኻሊእ ወገን ኣቦ ወንበር ናይቲ ምንስቓስ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ዕጡቓት ዝኸፈቶ ውግእ ምቕፃሉን ንፁሃት ዜጋታት ይጉድኡ ስለዘለው መንግስቲ ዝጀመሮ ኵናት ጠጠው ከብልን ፀዊዖም።

ናይቲ ክልል ሓላፊ ቢሮ ህንፀት ሰላምን ፀጥታን ግን ‘’ኣብ ልዕሊ እቶም ዕጡቓት ዝተኸፈተ መጥቓዕቲ ክቕፅል እዩ፤ኣብ ልዕሊ ስቪላት ዝወረደ መጥቓዕቲ ግን የለን’’ክብሉ ኣሉታዊ መልሲ ሂቦምሉ ኣለው።

XS
SM
MD
LG