ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ ዝንቀሳቀሱ ደባይ ተዋጋእቲ፣ ስጉምቲ ይውሰድ'ሎ' ታየ ደንደኣ


ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ፓርቲ ብልጽግና ኦሮምያ ኣቶ ታየ ደንደኣ
ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ፓርቲ ብልጽግና ኦሮምያ ኣቶ ታየ ደንደኣ

ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ ኣብ ልዕሊ ዝንቀሳቀሱ ደባይ ተዋጋእቲ፣ ስጉምቲ ይውሰድ ከምዘሎ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ፓርቲ ብልጽግና ኦሮምያ ኣቶ ታየ ደንደኣ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም። ንሶም ወሲኾም ‘ምስ ደባይ ተዋጋእቲ ዝግበር ልዝብ የለን’ እውን ኢሎም።

ንደሕንነቶም መንነቶም ክዕቀበሎም ዝመረጹ ነበርቲ ምዕራብ ክልል ኦሮምያ ‘ኣብ ኣርባዕቲኡ ዞባታት ወለጋ ብፍላይ ኣብ ምዕራብ ቄለም፣ ኣብ መንጎ ሰራዊትን መንግስቲን ደባይ ተዋጋእቲን ውግእ ቀጺሉ ኣሎ፣ ንሰላም’ቲ ከባቢ ከምዝዘረጎን’ ገሊጾም።

ነበርቲ ወሲኾም ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ኣብ ምዕራብን ቄልም ወለጋን ኣገልግሎት ስልክን ኢንተርኔትን ብምቁራፁ ኣብ ስግኣት ወዲቕና ኢሎም።

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ብልፅግና ፓርቲ ኣቶ ታየ ደንደኣ መንግስቲ ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ደባይ ተዋጋእቲ ስጉምቲ ይወስድ ከምዘሎ ኣረጋጊፆም።

“መንግስቲ ናይቲ ህዝቢ ድሕነት ናይ ምሕላው፣ሰብ ብሰላም ወጺኡ ክኣቱ ኣብ ምግባር ሓላፍነት ኣለዎ፣ልሊእ አማራጺ የለን።”

ኣቶ ታየ ብሰላማዊ መንገዲ ተፈቲኑ ምስ ፈሸለ መንግስቲ ብሓይልታት ፀጥታ ስጉምቲ ይወስድ ኣሎ፤ሰብ ክቕተል ከሎ ስቕ ኢሉ ሪኡ ሽፍታ ናብ ሕጊ ይቕረብ ክብሃል ከሎ ክትንከፍ የብሉን ዝብል እንተድኣ ሃሊዩ ግን ርትዓዊ ኣይኮነን ኢሎም ።ምስ ሸፋቱ ድማ ኣይንላዘብን፤ልዕልነት ሕጊ ክነኽብር ኢና ኢሎም።

ኣቶ ታየ ደንደኣ ብዛዕባ ምቁራፅ ስልክን ኢንተርኔትን ዝምልከት ግን ምስቲ ወታደራዊ ስጉምቲ ኣይራኸብን ፤ንምንታይ ከምዝተቋረፀ እውን ዝፈልጦ የብለይን ኢሎም ።

ኣብ ምብራቕ ሆሮ ጉዱሩን ወለጋ መራሒ ደባይ ተዋጋእቲ ነፃነት ኦሮሞ ጉማባስ ኤብሳ ቃለ ምልልስ ምስሃቡ ከይመሓላለፍ ስለዝሓተቱ ሪኢቱኦም ምስረኸብና ክነቕርቦ ኢና ይብል ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብ ነቐምቴ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።



XS
SM
MD
LG