ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

‘መንግስቲ ኣብዚ ዓመት ንዝካየድ ምርጫ ድልው’ዩ’ፕረ.ሳህለወርቅ ዘውዴ


ኣብዚ ዓመት ዝካየድ ምርጫ ቅድሚ ሎሚ ንዝተርኣዩ ጉድለታት ዝእርም ክኸውን መንግስቲ ድልው እዩ ክብላ ናይ ኢትዮጵያ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣፍሊጠን።

ንሓባራዊ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝብን ቤት ምኽሪ ፌደረሽንን ሎሚ ሶኑይ ኣብ ዘስምዕኦ መደረ ፖለቲካዊ ስርዓት ዴሞክራሲያዊ ንክኸውን ካብ ዝውሰዱ ስጉምትታት ኣብዚ ዓመት ክካየድ ትፅቢት ዝግበረሉ ሃገርለኸ ምርጫ ሓደ እዩ ኢለን።

“እነካይዶ ምርጫ ብዝተኸኣለ መጠን ኣብ ሕሉፍ ምርጫታት ንዘጋጠሙ ግድፈታት ብዝእርም መልክዕ ክፍፀም፣ነፃን ዴሞክራሲያዊን ኮይኑ ተኣማኒን ቅቡልን ክኸውን፣ፖለቲካዊ ልሂቃንን ምልኣተ ህዝብን ዝሳተፍሉ ክኸውን ክግበር እዩ።”

ነዚ ንምዕዋት ድልውነት መንግስቲ በይኑ እኹል ስለዘይኮነ ቅንዕናን ተሳተፎን ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ፖለቲካዊ ውድባት፣መሓውራት ዜናን ናይ ስቪክ ትካላትን ወሳኒ እዩ ኢለን።

ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ኣብ መደርአን ኣብ ጉዳያት ቁጠባ ብዛዕባ ዝካየድ ለውጢ’ውን ጠቂሰን’የን። ብቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ዝተጣየሰን ኣብ ቀረባ ወግዓዊ ዝኾነን ሃገር በቀል ፕሮግራም ቁጠባዊ ምምሕያሽ ዝተባህለ ዓብይ ኮሚቴ ሓደ ምዃኑ ኣብ መደርአን ሓቢረን።

ንሰን ወሲኸን ዝተመረፁ ትካላት ልምዓት መንግስቲ ብከፊል ወይ ብምሉእ ናብ ውልቂ ምዝዋር ከምኡ እውን ብሽርክና መንግስትን ውልቀሰባትን ዝስርሑ ፕሮጀክትታት ናይ ምትግባር ስራሕ አሓይሉ ክቅፅል እዩ ኢለን።

ፕረ. ሳህለወርቅ ቴሌን ኣብ ትሕቲ ኮርፐረሽን ሽኮር ዝርከቡ ኩባኒያታትን ፕሮጀክትታትን ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ብከፋል ወይም ብምሉእ ናብ ውልቂ ክዛወሩ እዮም ኢለን ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።



XS
SM
MD
LG