ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኣመሪካ ኣስታት ሓደ ሚልዮን መጠን ክታበት ኮቪድ ጆንሶንን ጆንሶንን ንኢትዮጵያ ወፍዩ


ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ አዲስ- አበባ ልዕሊ 4.5 ሽሕ ዝግመት ጆንሶንን ጆንሶንን ዝብሃል ሓንሳብ ዝውሰድ ክታበት ኮቪድ-19 ንሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ከም ዝረከበ ኣብ ዝዘርግሖ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ። እቲ ናይ ምርኽኻብ ስነ-ስርዓት ኣብ መንጎ ኣምባሳድር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ጊታ ፓሲን ስቴትን ሚኒስተር ጥዕና ሰሃረላ ዓብዱላሂን፡ ኣብ ኣብ ማእከል ጥዕና ጃልመዳ’ዩ ተፈጺሙ።

ብዘይካ’ቲ ድሮ ኣትዩ ዘሎ መጠን ክታበት ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ጆንሶንን ጆንሶን ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ክኣቱ’ውን ትጽቢት ይግበር።

እቲ ሓገዝ ኣካል’ቲ ምምሕዳር ፕረዚደንት ባይደን-ሃሪስ ብመገዲ ኮቫክስ ዝገብሩዎ ዘለዉ ናይ ምብጻሕ ስራሕ ምዃኑ እቲ መግለጺ ይሕብር።

ኣብቲ ናይ ምርኽኻብ ስነ-ስርዓት ዝተረኽባ ኣምባሳድር ፓሲ፡ ምስዚ ናይ ሎሚ ሓገዝ ክታበት፡ ኣመሪካ ንኢትዮጵያ ዝሓገዘቶ መጠን ክታበት ናብ 2.5 ሚልዮን ክድይብ እንከሎ፡ ኣካል’ቲ ኣብ መንጎ ክልተ መንግስታት ዘሎ ዝምድና ምዃኑ ጠቒሰን።

ለበዳ ኮቪድ ኣብ ዝጀመረሉ ንምክልኻሉ ኣብ ዝውዕል፡ ብወገን መንግስቲ ኣመሪካ፡ ንኢትዮጵያ 200 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ተዋሂቡ ምንባሩ’ውን እቲ መግለጺ ይሕብር።

ኣብ መንጎ ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያን መንግስቲ ኣመሪካን፡ ንዕስራ ዓመት ኣብ ዘሎ ናይ ግዜ ሰሌዳ ናይ ኣርባዕተ ቢልዮን ሓገዝ ውዕል ከም ዘሎ እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ከመልክት እንከሎ፡ እዚ ናይ ሎሚ ሓገዝ’ውን ኣካሉ ምዃኑ ይሕብር።

XS
SM
MD
LG