ዋሽንግተን —
ብመገዲ ማእከላይ ባሕሪ፡ ካብ ኣፍሪቃ ናብ ኤውሮጳ ንዝኣትዉ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ንምዕጋት፡ መንግስቲ ኢጣልያ እቲ ስራሕ ንሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኣረኪቡ።
ኣብቲ ኣብ ገማጋም ባሕሪ ኢጣልያ ዝተገብረ ጃለቡ ናይ ምርኽኻብ ስነ-ስርዓት ሚኒስተራት ወጻኢ ሊብያ፡ ኢጣልያን ኮሚሽነር ዝምድናታት ኤውሮጳዊ ሕብረትን ተረኺቦም ነይሮም። ኣብቲ ኣጋጣሚ ኮሚሽነር ኤውሮጳዊ ሕብረት ኦሊቨር ቫርሀልዪ እቲ ምትሕግጋዝ “ንኤውሮጳዊ ሕብረት ዶባታ ንምውሓስን ንሊብያ ድማ ጸጥታኣን ውሽጣዊ ምርግጋእን ንምስፋን ወሳኒ’ዩ፡” ክብል ገሊጹዎ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሊብያ’ውን ብግደኣ እቲ ስምምዕ ነቲ ባሕሪን ሃገራን “ንቕድሚት ዘኽይድ ምዕባለ” ኢላቶ።
የማናዊ መንግስቲ ኢጣልያ፡ ናብታ ሃገርን ኤውሮጳን ዝኣትዉ ስደተኛታት ንምግታእ በበይኑ ቀጻዒ ስጕምታት ክወስድ ጸኒሑን ኣሎን። ስጕምታት ሓድሽ መንግስቲ ኢጣልያ፡ ብበይኖም ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ካብ ምንቃፍ ኣየዕረፈን።