ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ 70% ክልል ትግራይ ምቁጽጻሩን ሓገዝ ይኣትው ምህላውን ይገልጽ: ክልል ትግራይ ግን ነዚ ይነጽግ


ከተማ ሽረ- ፋይል
ከተማ ሽረ- ፋይል

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓይልታቱ ን70% ክልል ትግራይ ምቁፅፃሩን ረድኤት ከምዝተልኣኸን ሎሚ ዓርቢ ገሊፁ።ሓይልታት ትግራይ ግን ነቲ ዝተባህለ ብቅፅበት ውዱቕ ገይሮምዎ።

ሰብኣዊ ሓገዝ ናብቲ ዝነበሮ ክምለስ ነቲ ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ከብቅዕ ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስትን ህወሓትን ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ሓደ ካብቶም ቁልፊ ነጥብታት ሓደ እዩ።

ነሓድሕዶም ዝገራጨው መግልፅታት ዝሃቡ ተዋጋእቲ ወገናት ኣብ ዋና ከተማ ኬንያ ናይሮቢ ይዘራርቡ ኣብዘለውሉ እዋን እዩ።

ኣማኻሪ ሃገራዊ ፀጥታ ቀዳማይ ሚንስተር ዝኾኑ ኣቶ ሬድዋን ሑሴን ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሕዎ መልእኽቲ ‘’70% ክልል ትግራይ ኣብ ትሕቲ ሓይሊ ምክልኻል ኢትዮጵያ ይርከብ’’ኢሎም። "ረድኤት ቅድሚ ሎሚ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ኣገባብ ይውሕዝ ኣሎ’’ ምስ በሉ መግብን መድሃኒትን ዝፀዓና መካይን ናብ ከተማ ሽረ ከምዝተልኣኻን በረራ እውን ከምዝተፈቐደን ወሲኾም ገሊፆም።ኣቶ ረድዋን ሑሴን "ረድኤት ብዝምልከት ዝኾነ ይኹን ዓይነት ዕንቅፋት የለን’’ ኢሎም ።

ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ንመግለፂ ኣቶ ሬድዋን ነፂጎምዎ።ኣቶ ጌታቸው ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኣብ ዝሃብዎ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ "ሓቅታቱ ካብ ቀጢን ኣየር ይነቅል እዩ ዘሎ’’ኢሎም ።

ኣስታት ሽዱሽተ ሚሊዮን ህዝቢ ዝነብረሉ ክልል ትግራይ ንጋዜጠኛታት ክፉት ብዘይምዃኑ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ነቲ ዝተባህለ ብነፃ ወገን ከረጋግፆ ኣይክኣለን።ክልል ትግራይ ብሰንኪ ስእነት መግብን መድሃኒትን ከምኡ እውን ኤሌክትሪክ ፣ ባንክን ኮሚኒኬሽንን ሓዊሱ ስኣን መሰረታዊ ኣገልግሎታት ኣብ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ይርከብ።

ኣብ ትግራይ ዝመደብሩ ሰራሕተኛ ረድኤት ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኣብ ዝሃቦ ቃል "ሬድዋን ብትዊተር ዝዘርግሖ መልእኽቲ ውፁእ ሕሶት እዩ’’ ኢሉ።"ናብ ከተማ ሽረ ዝኣተወ ረድኤት የለን" ዝበለ እዚ ሰራሕተኛ ‘’ዝተፀገነ ኣገልግሎት የለን ፣ በረራ እውን ኣይተፈቐደን ብዙሓት ብጥምየት ይሞቱ ኣለው" ኢሉ።

XS
SM
MD
LG