ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ: 17 ወታሃደራዊ ሰበ ስልጣን ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ምእታዎም ተሓቢሩ


ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ፀላኢ ክጥቀመሎም ሓሲቡ ዝበሎም ዒላማታት ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ከምዝገበረ ገሊፁ።

ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ሜጀር ጀነራል ይልማ መርዳሳ ነፈርቲ ውግእ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ መዋህለሊ ነዳዲ ፣ ናይ ኣፅዋር መኽዘናትን ካልኦት ዝተመረፁ ዒላማታትን ምዕናወን ሓቢሮም።

ናይ መራኸቢ ኣገባብ ብምቁራፅ ን ሰሜን እዚ ሃሪሞም ዝተባህሉ 17 ጀነራላትን መኮነናትን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ኮሚሽን ፌደራል ፖሊስ ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ናይ ኢትዮጵያ ምኽትል ቀዳማይ ሚንስተርን ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣቶ ደመቀ መኮነን ንእዋናዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ብዝምልከትምስ ኣብ ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ሓላፊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ቲቦር ናዥ ብስልኪ ከምዝተዘራረቡ ዝበፀሐና ዜና ሓቢሩ።

ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣቶ ደመቀ መኮነን ወታሃደራዊ ዓቕሚ ህወሓት ክጠፍእ ከሎ፣ መጥቓዕቲ ዝተፈፀሞም ኣባላት ሰራዊት ነፃ ክወፁ ከለውን ኣብቲ ክልል ልዕልነት ሕጊ ክረጋገፅ ከሎን እቲ ወታሃደራዊ ወፍሪ ጠጠው ከምዝብል ን ቲቦር ናዥ ምግላጾም’ውን ተሓቢሩ’ሎ።

ኣብ ሚንስትሪጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ሓላፊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ቲቦር ናዥ ናይ ኢትዮጵያ ሰላም ኣብቲ ዞባ ሰላም ንምርግጋፅ ወሳኒ ምዃኑ ገሊፆም ።

XS
SM
MD
LG