ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ድጎማ ነዳዲ እንተገብረ'ውን ተገልገልቲ ግን ንዝያዳ ወጻኢ ተቓሊዕና ይብሉ


ፋይል
ፋይል

መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚሩ ንህዝቢ ዘገልግላ ተሽከርከርቲ ናይ ነዳዲ ድጎማ እንተገበረ`ኳ፡ ርእይቶ ዝሃቡ ተገልገልቲ ግን ንተወሳኺ ወጻኢ ኢና ተቓሊዕና ይብሉ።

ኣብ ከተማ ደሴ ንድምጺ ኣመሪካ ርእይትኦም ዝሃቡ ከምዝብልዎ እንተኾይኑ፡ ወነንቲ መካይን ነቲ ድጎማ ተቐቢሎም ኣገልግሎት ኣይህቡን፡ እንተሃቡ ድማ ዝሓትዎ ክፍሊት ዝያዳ ኮይኑ`ሎ።

በዓል-ስልጣን ጸዓትንን ነዳድን ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ድጎማ ነዳዲ ካብ ዝጅመር ንድሓር፡ ኢትዮጵያ ንድጎማ ተውጽኦ ገንዘብ ካብ 10 ቢልየን ናብ 6 ቢልየን ዶላር ክወርድ ከምዝኽኣለ ኣፍሊጡ። እንተኾነ እቲ ናይ ድጎማ ወጻኢ ይነኪ `ምበር ሕጂ`ውን ልዑል ወጻኢ ምዃኑ ኣፍሊጡ`ሎ።

ነቲ ድጎማ ተጠቒሞም ኣገልግሎት ዘይህቡ እንተለው ግን ኣብ መጽናዕቲ ተመስሪቱ ስጉምቲ ከምዝወስድ ዳይሪክተር ርክባት ህዝቢ`ቲ በዓል-ስልጣን በቀለች ጉማ ኣፍሊጣ`ላ።

XS
SM
MD
LG